ብመሰረ‘ቲ ሓበሬታ ኣብ ከተማ ሽረ ዝርከቡ ነጋዶ ምስ ኣታዊኦም ዘይመጣጠን ግብሪ ክኸፍሉ ይግደዱ ከም ዘለዉ ድሕሪ ምግላፅ። ብፍላይ ከዓ ካብ’ቶም ግዳያት
ሓደ ዝኾኑ ኣይተ ሽሻይ ተኪኤ ዝተብሃሉ ነጋዳይ ልዕሊ 3.5
ሚልዮን ብር ግብሪ ክፈሉ ምስ ተብሃሉ “እዚ ክፈሎ ዝበሃል ዘለኹ ግብሪ ልዕሊ ዓቐመይ ብምዃኑ
ፍታሕ ይገበረለይ” ክብሉ ናብ ዝምልከቶም ኣካላት ጥርዓን ኣብ ዘቕረብሉ፤ ዝተሃቦም ምላሽ ግና ዘይትኸፍሉ እንተኾይንኩም
ንብረትኩም ወሪስና ትካልኩም ክንዓፅዎ ምዃና ፍለጡ ክብሉ ከም ዘፈራርሕዎም ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
ኣይተ ሽሻይ ተኪኤ ከም ኣብነት ደኣ’ምበር እዚ መፅናዕቲ ዘይተገበረሉ
ኣከፋፍላ ግብሪ ዳርጋ ኣብ ኩሉ ነጋዳይ ከተማ ሽረ ዝፍፀም ዘሎ ፀገም ምምሕዳር ኮይኑ፣ ኣብ ምስላዕ ግብሪ እንተኾነ’ውን ኣብ መንጎ ኣባልን ዘይኣባል ወያነ ኢህወዴግ
ኣናተብሃለ ኣፈላላይን ኣድልዎን ከም ዝፍፀም እቲ ዝተረኸበ
ሓበሬታ ወሲኹ ገሊፁ።
እዚ ከምዚ እሉ እናሃለወ ካብ ዞባ ምብራቕን ማእከልን ትግራይ
ኣብ ከባቢ ዓዲ ኣሰርን ዓዲ ጎሹን ብምኻድ ባዶ ቦታ ሓሪሶም ፀገሞም ክፈትሑ ብናይ ከባብኦም ምምሕዳር ዝኸዱ
ሓረስቶት፣ ብምምሕዳርን ፖሊስን ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦን ዓዲ ጎሹን ኣይትሓርሱን ተባሂሎም ስለ ዝተኣገዱ ተለቂሖም ንመጓዓዝያን ስንቅን ዘውፅእዎ ገንዘብ መተካእታ ሰለ ዘይረኸብሉ፣
ግዳይ ድኻምን ዘይተደለየ ፋይናንሳዊ ክሳራ ብምቅልዖም ብኣሰራርሓ እቲ ስርዓት ኣዚዮም ከም ዝሓዘኑን መረረቶም ኣብ ምግላፅ ከም
ዝርከቡን ካብቲ ቦታ ዝበፀሓን ሓበሬታ ኣገንዚቡ።