Saturday, November 2, 2013

ኣብ ከተማታት ትግራይ ብጉልበቶም ሰርሖም ህይወቶም ዝመርሑ ዜጋታት ብመዋጮ እቲ ስርዓት መናባብሮና ክንመርሕ ኣይከኣልናን ክብሉ መረረቶም ይገልፁ ከምዘለው ተሓቢሩ፣




ብ12 ጥቅምቲ 2006 ዓ.ም ብሰበ ስልጣን ክልል ትግራይ ናብ መላእ ከተማታት ኣብ ዘዉረድዎ መምርሒ ምኽፋል መዋጮ። ዝኾነ መዓልታዊ ናይ ጉልበት ሰርሕተኛ ካብ ኣታዊኡ 15 ሚኢታዊ ንመንግስታዊ መዋጮ ከወፍዮ ኣለዎ ንዝብል ትእዛዝ ብራሃፆም ዝመሓደሩ ሰራሕተኛታት ኩሎም ተቓዉምኦም ኣብ ምስማዕ ከም ዝርከቡ ምንጭታትና ገሊፆም፣

ብፍላይ ኣብ ከተማታት ሑመራን ሽረ-እንዳስላሰን ብመዓልታዊ ናይ ጉልበት ስራሕ መነባብርኦም ዝመርሑ ወገናት። ነቲ ህዝባዊ ሓልዮት ዘይብሉ ብመራሕቲ እቲ ስርዓት ዝወረደ መምርሒ ናይ ኣስገድድ መዋጮ ምኽፋል ብምቅዋም። “ሎሚ ይኹን ፅባሕ ብሓይልን ብምፍርራሕን ስድራና ደፊእና ነዋፅኦ ገንዘብ የለን” ብምባል ከም ዝነፀግዎ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣

ካብቶም ነቲ ዝወረደ መምርሒ ናይ ገንዘብ መዋጮ ብትሪ ዝነፅግዎ ብራሃፆም ሓደርቲ።-
* ፍርያት መኮነን፤
* ክፍሎም ግደይ፤
* ዳንኤል ወዲ መቐለ፤
* የማነ (ኣባል ሰራዊት ምክልኻል ዝነበረ)፤ *
* ኣሸናፊ ሞጎስን ዝተበሃሉ ዜጋታት ከም ዝርከብዎም እቲ ሓበሬታ ኣብ ምወዳእታ  ኣፍሊጡ፣