Wednesday, February 10, 2016

ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ኣብ ዝተሳለጠ ናይ መምህራን ኣኼባ፣ ፅሬት ትምህርቲ ኣብ ትግራይ ብዘይምህላው ተምሃሮ ክፍልታት ጥራሕ ይቖፅሩ ኣለው ዝብል ገምጋም ከም ዘካየዱ ምንጭታትና ገሊፆም።



ብመስረት ሓበሬታ ምንጭታትና፣ ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ኣብ ዝተኻየደ ናይ መምህራን ኣኼባ፣ ፅሬት ትምህርቲ ዝበሃል ኣብ ትግራይ ብዘይ ምህላው ምኽንያት፣ ናብ ትምህርቲ ዝኣቱ ተምሃሮ ብቕዓት ወኒኖም ዝወፁ ዘይኮነስ ክፍልታት መቑፀሪ እዩ ዝኸውን ዘሎ ዝብል ገምጋም ከም ዘካየዱ ምንጭታትና ካብቲ ቦታ ዝለኣኹዎ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።
ወሲኹ እቲ ሓበሬታ ከም ዘመላኽቶ፣ ኣብ ሃገርና ብፍላይ ድማ ኣብ ትግራይ ፅሬት ትምህርቲ ዝበሃል ከም ዘይብሉን፣ ብሰንኪ ውፅኢት ተኮርን ካልእን ምኽንያታት ሓደ መምህር ንዘምህሮም ተምሃሮ ብቅዓት ወኒኖም ንኽሓልፉ ዘይኮነስ ካብ'ታ ዘምህረላ ክፍሊ ከይወድቅዎ ዝተፈላለየ ሜላታት ተጠቒሙ ከሕልፎም ስለ ዝግደድ፣ ንደረጅኦም ዝምጥን ፍልጠት ከይሓዙ ክፍልታት እናቖፀሩ ብምኻድ ናብ ላዕለዋይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ምስ ሓለፉ ክወድቁን ናብ ዘይተደለየ ክሳራን ተግባራትን ኢሉ'ውን ናብ ስደት ከምርሑ ምኽንያታት ይኸውን ከም ዘሎ ንምፍላጥ ተኻኢሉ። 

No comments:

Post a Comment