Saturday, November 2, 2013

ኣብ ከተማ መቐለ ዝነብሩ መናእሰይ ብሓይልታት ፀጥታን ፖሊስን ተገዲዶም ናብ ዉትህድርና ክኣትዉ ይግበር ከም ዘሎ ተሓቢሩ፣




ኣካላት ፀጥታ ስርዓት ህወሓት-ኢህወዴግ ኣብ መቐለ ንዝነብሩ ብርክት ዝበሉ መናእሰይ ካብ ዝሰርሕሉ ቦታታትን ጎደናታትን ፅርጊያን ንስራሕ ተደሊኹም ብዝብል መመኽነይታ ብሓይሊ ፖሊስ ኣኪቦም። መንግስቲ ዝገብረልኩም ዘሎ ፃዉዔት ዉትህድርና ምልመላ ተጠቐምሉ እተዉ እዚ ክፍቲ ስራሕ ፅባሕ ንጉሆ ምስ ሓለፈ ክጣዕሰኩም እዩ እናበሉ ብምድንጋርን ብሓይልን ናብ ውትህድርና ከእትውዎም ላዕልን ታሕትን ይብሉ ከምዘለው ምንጭታትና ካብ ከተማ መቐለ ኣረዲኦም፣

ካብቶም ንመናእሰይ ከተማ መቐለ ኣፈራርሖም ናብ ዉትህደርና ክኣትዉ ዝገብሩ ዘለዉ ሓደ ኣብ ፖሊስ ኮሚሽን ክልል ትግራይ ምክትል ኮሚሽን ኪሮስ ኣብርሃ ኮይኑ። ብ12 ጥቅምቲ 2006 ዓ.ም ንልዕሊ 200 መናእሰይ ብሓይሊ ኣባላት ፖሊስ ኣኪቡ። ንስኹም ዉትህድርና ኣይንኣቱን ኢልኩም ከም ቀደም ብሰላም ክትነብሩ ከይመለኩም። ኣብ’ዛ ከተማ ካብ ሕዚ ንድሓር ዝኾነ ስርቂ ይኹን ፆታዊ ዓመፅ እንተተፈፂሙ ብጀካ ንስኹም ዝዉዕሎ ሰብ ከም ዘየለ ፈሊጥኩም በቲ ዝተፈፀመ ገበን ብቐጥታ ተሓተቲ ምኳንኩም መረዳእታ ዘድልየና ኣይኮነን እናበለ ከፈራርሖም ከም ዝወዓለ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣፍሊጡ፣