ኣብ ዞባ
ምዕራብ ትግራይ ከተማ ሑመራ ብሕጋዊ መንገዲ ቤት ቁርስን ሻሂ ከፊቶም መነባብርኦም ክመርሑ ዝፀንሑ ብርክት ዝበሉ ወገናት።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ዕዳጋ ሕፅረት ሽኮር ብምኽሳቱ ናይ ንግዲ ትካሎም ዝዓፀዉ ወገናት። መነባብርኦም ኣብ ኣተሓሳሳቢ ኩነታት
ወዲቑ ከም ዘሎ ንግዳያት መሰረት ብምግባር ካብ ከተማ ሑመራ ዝበፀሓና
ሓበሬታ ኣረዲኡ፣
እቶም
ካብ ዘለዎም ኣታዊ ልዕሊ ዓቐን ግብሪ ንመንግስቲ እናኸፈሉ ክሽቅጡ ፀኒሖም ብስእነት ሽኮር ናይ ንግዲ ትካሎም ካብ ዝዓፀዉ መብዛሕትአን
ደቂ ኣንስትዮ ኮይነን። ካብ’ቲ ክሰርሕኦ ዝፀንሓ ቤት ቁርሲን ሻሂን ካልእ ስራሕ መማረፂ ስለ ዘይብለን። ስእነት ሽኮር ዝፈጠሮ
ጠቕሊለን ስራሕ ጠጠዉ ኣቢለን ድራር ዕለተን ንምርካብ ተፀጊመን ከም ዘለዋ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣
ኣብ
ስልጣን ዝርከብ ህዝባዊ ሓልዮት ዘይብሉ ስርዓት ህወሓት-ኢህወዴግ ካብ ዝሓልፈ ቅንያት ጀሚሩ ጠለብ ሽኮር ዉሽጢ ሃገር ዘማልኣ ፋብሪካታት
ስለ ዘለዋ ካብ ወፃኢ ዝኣቱ ዝነበረ ሽኮር ጠቕሊሉ ክቋረፅ ብምግባሩ። እተን ተባህላ ፋብሪካ ሽኮር ከዓ ጠለብ ህዝቢ ከማልኣስ
ይትረፍ ብከፊል’ኳ ከባፅሓ ብዘይምኽኣለን መላእ ህዝብታት ሃገርና ሽኮር ተሓርምዎ ዝርከብ ኮይኑ። ብፍላይ ከዓ ኣብ ሽኮር ተመርኲሰን
ዝሰርሓ ዝነበራ ብርክት ዝበላ ትካላት ጠቕሊለን ጠጠዉ ብምባልን ሰብ ትካልን ኣብአ ተቖፂሮም ዝሰርሑ ዝነበሩ ዜጋታትን ኣብ
ከቢድ ናይ መነባብሮ ፀገም ወዲቖም ከምዘለው ተፈሊጡ፣
እዚ
ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ኣብ’ታ ከተማ ዝርከቡ ካድረታት ህወሓት/ኢህወዴግ ነቲ ብሰበስልጣን እቲ ስርዓት ዝፍፀም ዘሎ ግዕዝይና
ንምቅዋም ብዝብል። ተማሃሮ ኣኪቦም ሰላምዊ ሰልፊ ኣብ’ዚ ቅንያት ዘካየዱ ኮይኖም። ነዙይ ዝተዓዘበ ነባራይ ህዝቢ ከተማ ሑመራ
ምስሉይን መተለሊን ሓቂነት ዘይብሉ መደናገሪ ተግባር ክብሉ ከም ዝገለፅዎ ካብታ ከተማ ዝተረኸበ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኣኡ፣