Friday, April 18, 2014

ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ሑሙማት ፂዒና ናብ ዓዲ ኾኸብ እትጓዓዝ ዝነበረት ናይ ሰራዊት ወያነ-ኢህወዴግ ወተሃደራዊት መኪና ተገልቢጣ ኣብ ልዕሊ ተሳፊሮም ዝነበሩ ኣስታት 25 ወተሃደራት ናይ ሞትን ናይ ኣካል ማህሰይትን ከም ዝወረዶም ካብቲ ከባቢ ዝበፅሓና ሓበሬታ ገሊፁ።



እዛ  ናይ መበል 33 ክፍለ ሰራዊት  ኦራል ዝዓይነታ  ወተሃደራዊት መኪና ሑሙማት ሒዛ ናብ ዓዲ ኮኸብ  ትጓዓዝ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን  ብዘጋጠማ ናይ ምግልባጥ ሓደጋ  ተፃዒኖም ካብ ዝነበሩ ወተሃደራት 8 ንግዚኡ ህይወቶም እንትሓልፍ፤ 4 ከቢድ ናይ ኣካል መጉዳእቲ  ከም ዝበፅሖምን 13 ድማ ማእኸላይን ቀሊልን መጉዳእቲ ከም ዝወረዶም እቲ ዝበፅሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ።
 
     እቲ ሓበሬታ ወሲኹ  ካብቶም ኣብ ውሽጢ እታ መኪና ካብ ዝነበሩ  ብሰንኪ እቲ ሓደጋ ህይወቶም ካብ ዝሓለፉ ገለ ንምጥቃስ ሻለቃ ኣፅባሃ/ሓዊ ኣፉ/፤ ሻምበል ገብረሂወት ኣባል ሃንደሳ ዝነበረ፤ሓለቓ ሓምሳ ይርጋ ካሕሳይ፤ወተሃደር ደሳለኝ በይሳን ካልኦትን ምኻኖም  ድሕሪ ምግላፅ  መራሕቲ ሰርዓት ወያነ ግን እቲ ብሰንኪ ሸለልትነት  ኣብ ልዕሊ ሰራዊት  ዝበፅሕ ናይ ሞትን ናይ ኣካል   መጉዳእትን  ከም ዘየግድሶምን ትኹረት ከም ዘይገብሩሉን   ካብቲ ውሽጢ እቲ ሰራዊት ሊሒኹ ዝበፅሓና ሓበሬታ ገሊፁ።