ኣብ ዞባ
ምዕራብ ትግራይ ከተማ ማይ ካድራን ከባብኣን ፍትሒ ዝደሊ ሕብረተሰብ ናብ ዓቃቢ ሕጊ ንምቕራብ ዝተፈላለዩ ጥርዓንን ክሲን ሒዙ
ኣብ ዝኸደሉ። ነዚ ዝሰምዕ ኣብ ቤት ፅሕፈት ዓቃቢ ሕጊ ዝተመደበ በዓል ሞያ ስለ ዘየለ። ናብ ፖሊስ ኣብ ዝኸድሉ ድማ ንዓና
ኣይምልከትን ስለ ዝብልዎም ዘለዉ። ኣብ ከተማ ሑመራ ናብ ዝርከብ ቤት ፅሕፈት ዓቃቢ ሕጊ ወረዳ ቃፍታ ሑመራ ኣብ ዝኸድሉ ድማ
ዝግባእ ኣገልግሎት ስለዘይረኽቡ ፍትሒ ስኢኖም ንመጓዓዝያን ካልእ ፋይናንሳዊ ክሳራ ተቓሊዖም ብዘይ ሓደ ፍረ ናይ ስራሕ ግዝኦም
ከባኽኑ ይግደዱ ከም ዘለዉ ንምጭታትና ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ገሊፆም፣
ብካልእ
ወገን ኣብታ ከተማ ፀገም ዝስተ ፅሩይ ማይ ነዊሕ ግዚ ኣቑፂሩ ስለ ዘሎ። ነበርቲ ዕለታዊ ምግቦም ንምድላዉ ይኹን ንምስታይ
ተፀጊሞም ፅሬቱ ዘይሓለወ ማይ ክጥቀሙ ብምግዳዶም ንዘይተደለየ ማይ ወለድ ሕማማት ይቃልዑ ከም ዘለዉን። ነዚ ፀገም ፍታሕ
ንኽግበረሉ ናብ ዝምልከቶም ኣካላት ወረዳን ዞባን ጥርዓኖም ኣብ ዘቕረብሉ ስማዒ ክረኽቡ ከም ዘይከኣሉ ወሲኾም ኣረዲኦም፣