ብመሰረት
እቲ ሓበሬታ ኣብ ከተማ የጭላ ዝርከቡ ኣባላት ውድብ ዓረና ብካድረታትን ዕጡቛት ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት ምፍርርሓን ካልእ
ግፍዕታት ይወርዶም ከም ዘሎ ድሕሪ ምግላፅ፤ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ
ኣባላት ዓረና ዝኾኑ መምህራን ኣብ ስረሖም ፀቕጥታት ይፈጥሩሎምን ካብኡ ሓሊፎም’ውን ክራይ ገዛ ከይረኽቡ፤ ነቶም ሰብ ዋና ገዛ
ከይተእትውዎም እናበሉ የፈራርሕዎምን ዉሽጣ ዉሽጢ የፈራሕዎምን ከም ዘለዉ ተገሊፁ፣
እቲ ሓበሬታ ወሲኹ እዞም ኣባላት ዓረና ዴሞክራሲያዊ መሰሎም
ተጠቒሞም ብዛዕባ ዕላምኦም ንህዝቢ ከየፋልጡን ኣብ መረፃ
ከይወዳደሩን መራሕቲ ህወሓት ዝተፈላልዩ ውዲታት እናፈሓሱ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ምትሕንዃል ተፀሚዶም ዝርከቡ እንትኾኑ፤ ቀንዲ ነዚ
እከይ ተግባር ዘዋፍርን ዘተግብርን ዘሎ ከኣ ዋና ኣመሓዳሪ እቲ ወረዳ ኣይተ ተኽለብርሃን ዝተብሃለ ከም ዝኾነ ኣረዲኡ፣
ኣይተ ተኽለብርሃን ዘለዎ ስልጣን ተጠቒሙ ነቶም ኣባላት ዓረና ብስራሕ
ከም ዝደለዮም ኣምሲሉ ፀዊዑ ሕዝኩሞ ዘለኹም ዕላማ ኣየዋፃእኩም ግደፍዎ፤ ግዜኹም ኣይተጥፍኡ፤ ንመንግስትኹም ይቕረታ ተጋጊና ፀኒሕና
ነይርና ኢልኩም ኣቋርፅዎ ይብሎም ከም ዘሎ እቲ ሓበሬታ ኣብ ምወዳእታ ገሊፁ፣