Monday, January 13, 2014

ኣብ ከተማ መቐለ ብኮንደምንዮም ዝተሃነፁ ገዛውቲ ኣብ ኣሰራራሓ ፅሬት ስለ ዝጎደሎም ተጠቀምቲ ኣብ ከቢድ ፀገም ምውዳቖም ተገሊፁ፣

ብመሰረት እቲ ሓበሬታ እቶም ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝርከቡ ኮንደምንየም ዝነብሩ ዜጋታት እቲ ዝነብሩሉ ህንፃ ኣብ ኣሰራርሕኡ  ፅሬቱ ዘይሐለወን ብጥንቃቐ ዘይተሰርሐን ብምዃኑ፤ ንፀገም ምቅላዖም  ዝገለፀ  እቲ ሓበሬታ ብፍላይ ከኣ ሽንትን ርስሓትን ናብ ውሽጢ መንበሪ ገዛዉቲ   እናለሓዀ ስለ ዝኣቱ ብሕማቕ ጨናን ርስሓትን ተበኪሉ ነበርቲ  ንዝተፈላለዩ ሕማማት ምቅላዖም ገሊፁ።
በቲ ላሕኺ ርስሓት ተበኪሎም ዘለዉ ከባቢታት ምምሕዳር ዓዲ ሓቂ፤ ሓወልትን እንዳ ገብርኤል እናተበሃለ ኣብ ዝፅዋዕ ዝርከቡ መንደራት ኮይኖም ዝምልከቶም ኣካላት ክሳብ ሕዚ ዝኾነ ፍታሕ ከምዘይገበርሎም ሓቢሮም።