Thursday, January 16, 2014

ነባርነቶም ኣብ ከተማ ሸራሮ ዝኾኑ ካብ ሰራዊት ምክልኻል ዝተሰናበቱ ተጋደልቲ ህወሓት ነበር መኮንናት። ብማሕበር ተወዲቦም ስራሕ ኣብ ዝጀመርሉ በቲ ስርዓት ይእሰሩን ይንገላትዑን ከም ዘለዉ ተሓቢሩ፣



ብመሰረት እቲ ሓበሬታ ኣብ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ወረዳ ከተማ ሸራሮ ዝነብሩ ካብ ሰራዊት ምክልኻል ዝተሰናበቱ ልዑል መዓርግ ዝነበሮም ዝርከብዎም ብርክት ዝበሉ መኮንናት። ሂወት መነባብርኦም ንምምራሕ ብማሕበር ተወድብዎም ሕጋዊ ስራሕ ኣብ ዝጀመርሉ። ኣብቲ ዞባን ወረዳን ዝርከቡ ኣመሓደርትን ካድረታትን ናይቲ ስርዓት ብሓደ ተወዲቦም ምስርሖም ዓብዪ ሻቕሎት ስለ ዝፈጠረሎም። ኣተኹም ወፃኹም ምስ መን ትራኸቡ ኣለኹም ብዝብል ዒባራ ምኽንያታት እናፈጠሩ ይኣስርዎምን የሰናኽልዎምን ከም ዘለዉ ኣረዲኡ፣

እዞም ሕጋዊ ስራሕ ማሕበር ኣቚሞም ንባዕሎምን ከባብኦምን ኣብ ዝጠቅም ሰላምዊ ስራሕ ኣብ ምስላጥ ተዋፎሮም ምንቅስቓስ ዝጀመሩ መኮንናት ነበር። ሰበ ስልጣን ስርዓት ህወሓት-ኢህወዴግ ካብ ዘለዎም ዉሽጣዊ ዘይምትእምማን ነቒሎም ምስ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዘካይዱ ተቓወምቲ ትራኸቡ ኢኹም ብዝብል ፀለመ። ነቶም ኣቐዲምካ ሞራሎም ክስበሩ ኣለዎም ዝበልዎም ሓለቓ ሽሕ ሙዘይን ኮለኔል ወለኣረጋይ (ኣርባዕተ ዓይኑ)ን ብቐደም ሰዓብ ኣብ እሱር ዳጒኖም ከሳቕይዎም ድሕሪ ምፅናሕ። ብዘይ ዝኾነ ፍርዲ ኣፈራርሖም ብዋሓስ ዋላ’ኳ እንተፈነውዎም። ኣብ ልዕልኦም ጥቡቕ ክትትል ኣብ ምክያድ ከም ዝርከቡ ተፈሊጡ፣
ካብ ከተማ ሽራሮ ከይወፃእና ሽሞኛታት ስርዓት ህወሓት-ኢህወዴግ ኣብታ ከተማ ንዝርከቡ ነጋዶ ኣብዚ ቅንያት ፀዊዖም ኣብ ዘካይድሎም ኣኼባ። ብሕቶታት ናይቶም ነጋዶ ከም ዝተዋጠሩ ተገሊፁ፣
እቶም ነጋዶ ካብ ዘልዓልዎ ሕቶታት። ግብሪን ልምዓትን ብዝብል ካብ ዓቕምና ንላዕሊ ገንዘብ ንኸፍል ኣለና፤ ክሳብ ሕዚ ግና ዓበይቲ ፀገማት እዛ ከተማ ከም ፅሩይ ማይን ካልኦት ማሕበራዊ ጠለባትን ኣይተፈትሑን፤ እቲ ንኸፍሎ ገንዘብ ኣበይ ይዉዕል ኣሎ ብንፁር ኣፍልጡና፤ ተወደቡ ትብሉና ዘለኹም ንዓኹም ብዝጥዕም ኣይንዉደብን ምዉዳብ እንተኾይኑ ነፃነት ብዘለዎ  መንገዲ ኢና ንዉደብ። ክብሉ ብሓደ ድምፂ ብዘልዓልዎ ሕቶ ዓቕሎም ዝፀቦም ነቲ ኣኼባ ክመርሑ ዝተላኣኹ ኮራኹር ናይቲ ስርዓት። ዝኾነ ምላሽ ከይሃቡ ብኣተሃዳድማ ዕቡያት ካብቲ መድረኽ ሃዲሞም ከም ዝኸዱ እቲ ሓበሬታ ኣብ መወዳእታ ኣገንዚቡ፣