Thursday, January 16, 2014

ኣብ ከተማ መቐለን ከባቢን ተመዲቦም ክሰርሑ ዝፀንሑን ዘለዉን ኣባላት ፖሊስ። ናይ ስራሕ መሳናበቲ ክወሃቦም ሓቲቶም ኣውንታዊ ምላሽ ክረኽቡ ከም ዘይከኣሉ ተገሊፁ፣



ኣብ ክልል ትግራይ ከተማ መቐለን ከባቢኣን ንስርዓት ህወሓት-ኢወዴግ ከገልግሉ ዝፀንሑ ኣባላት ፖሊስ። ብመሰረት ሕገ ደንቢ ናይቲ ስርዓት ቅድም ክብል ካብ ስረሖም ክወፁ እንተደልዮም ይሰናበቱ ከምኡ’ውን  ቤተ ሰቦም ናብ ዝርከብሉ ከባቢ ዝውውር እንተሓቲቶም መሰሎም ሕልዉ ዝነበረ እንትኾን። ኣብዚ እዋን እዚ ግና ካብቲ ስራሕ ንኽወፁ ይኹን መሰል ሕቶ ዝውውር  ንክሕለወሎም ንዝምልከቶም ኣካላት ብተደጋጋሚ ዘቕርብዎ ዘለዉ ብርክት ዝበለ ጥርዓን ግቡእ መልሲ ክረኽቡ ከም ዘይከኣሉ ካብ ውሽጢ’ቲ ቢሮ ዝበፀሓና ሓበሬታ ገሊፁ፣

    እቶም ኣባላት ፖሊስ ኣገልገልቲ ናይቲ ብልሹዉ ስርዓት ብምዃን ንህዝቦን ሃገሮምን እናበደሉ ዝተጎሳቖለ ናብራ ህይወት ምምራሕ ስለ ዝመረሮም። ካብቲ ቅሳነት ዘይህብ ስራሕ ፖሊስ ንምዉፃእ ካብ ዘለዎም ባህጊ። ‘ልዕሊ 7 ዓመት ስለ ዘገልገልና ስንብታ ይወሃበና’ ብዉልቀ ሰሪሕና መናባብሮና ክነማሓይሽ ክብሉ ንዘቕርብዎ ሕጋዊ ጥርዓን። ሰማዒ ክረኽቡ ከም ዘይከኣሉ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣፍሊጡ፣
እቲ ስርዓት ነቲ ዘሎ ሕፅረት ፖሊስ ንምሽፋን ሓደስቲ ኣባላት ፖሊስ ንምቑፃር ዘዉፅኦ ተደጋጋሚ ምልክታ ስራሕ።  መንእስያት  ናብ ፖሊስ ክቑፀሩ  ፍቓደኛታት ብዘይምዃኖም። ምናልባት ዝተቖፀሩ እተሃልዮም’ዉን ብዕድመ ዝደፍኡን ብዙሕ ትምህርቲ ዘይብሎም ስለ ዝኾኑ ዘለዉ። ነቲ ኣብ ዉሽጦም ዘሎ ክፍተት ስራሕ ንምሽፋን።  በቲ ካልእ ገፅ ከኣ ቅድሚ ሕዚ ዝተሰናበቱ ፖሊስ ናብ ተቓወምቲ ይስለፉ ኣለዉ ንዝብልዎ ንምዕጋትን ክብሉ። ናይ ስራሕ መሳናበቲ ኣይፍቀድን ይብልዎም ከም ዘለው እቲ ሓበሬታ ወስኹ   ኣረዲኡ፣