Tuesday, January 14, 2014

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዕድመን ዓቕምን ብዘይፈሊ ዝካየድ ዘሎ ስራሕ ምኹዓት ሓመድን ማይን ዕቀባ ብርክት ዝበሉ ብሕርሻ ዝመሓደሩ ወገናት ኣደዳ ቅፅዓት ኮይኖም ከም ዘለዉ ተሓቢሩ፣




ብመሰረት እቲ ሓበሬታ ኣብ መላእ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝርከባ ዞባታት ዝነብር ገባር ሕብረተሰብ ግደባ ክሰርሕ ዝወረደ መምርሒ መሰረት ዕድመን ዓቕምን ኣብ ግምት ዘይእቱ ብምዃኑ፤ ብዕድመ ዝደፍኡ ወለዲ፤ ትሕቲ ዕድመ ተማሃሮ ቆልዑ፤ ነፍሰ ፁር ኣዴታት፤ ብሕማም ጉልበቶም ዝተዳኸሙን ካልኦት ጉልበት ስራሕ ንኽሰርሑ ፀገም ዘለለዎምን ተገዲዶም  ንኽኹዕቱ ይግበር ከም ዘሎ ተገሊፁ፣
ነቲ ግደባ ንምስራሕ ዓቕሚ የብልናን ዝበሉ ወገናት ድማ ፀረ-ልምዓት እናተባህሉ ካብ መንበሪ ገዝኦም ብካድረታትን ኣባላት ምልሻን እቲ ስርዓት እናተኣሰሩን እናተጋፍዑን ብምዉፃእ ንሓንቲ መዓልቲ ዘብኮረ ሰብ ካብ 50 ክሳብ 100 ብር  ክቕፃዕ  ይግበር ከም ዘሎን፤ እቲ ግደባ ካብ 01 ጥሪ 2006 ዓ.ም ጀሚሩ ን40 መዓልቲታት ከም ዝፀንሕ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ገሊፁ፣
ብመቕፃዕቲ መልክዕ ኣብ ገለ ከባብታት እቲ ክልል ኣታዊ ካብ ዝተገብረ ገንዘብ።-
Ø     ኣብ ዞባ ምዕራብ ጎጃም ወረዳ ቡሬ ቀበሌ ዝየዉ ሽዉን ኣብ ክልተ ናይ ስራሕ መዓልቲ ካብ ዘብኮሩ ሰባት 1,400 ብር ኣታዊ ተጊሩ፣
Ø     ኣብ ዞባ ምዕራብ ጎጃም ወረዳ ወምበርማ ቀበሌ ሎማን ብተማሳሳሊ 1,800 ብር፣ኣብ ዞባ ኣዊ ወረዳ ኣንከሻ ቀበሌታት ከሳን ቸዉሳን 2800 ብር
Ø     ኣብ ዞባ ኣዊ ወረዳ ጃዊ ቀበሌታት ደቅ 01ን ዘረገነትን  ካብ 3 ሽሕብር ንላዕሊ
Ø     ኣብ ዞባ ምዕራብ ጎጃም ወረዳ ቡሬ ቀበሌ ፈዘል ኣብ ክልተ ናይ ስራሕ መዓልቲ ኣብኲርኩም ብዝብል 1,200 ብር ብምኽንያት መቕፃዕቲ ከም ዝተወሰደ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣
ብዉልቀ ሰብ ደረጃ ብእስራትን ብገንዘብን ካብ ዝተቐፅዑ ብዕድመ ዝደፍኡ ሽማግለታት ዓዲ፤ ነፍሰ ፁራትን ድኹም ዓቕሚ ዘለዎም ሓረስቶትን ኣብ ዞባ ኣዊ ወረዳ ጃዊ ቀበሌ ደቅ 01 ዉሽጢ ጥራይ ንምጥቃስ ዝኣክል።- ኣይተ ኣስረሰ ስዩም፤ ኣይተ ዳጉ ከበደ፤ ኣይተ ሰይድ ዓሊ፤ ኣይተ ብርሃን ወርቁ፤ ኣይተ ኑር መሓመደ፤ ምትኬ ጥሩነህ፤ ኣይተ ኣለምቀረ ላቀዉ፤ ኣይተ ኑር ሑሴን፤ ኣይተ ስሌማን ሑሴን፤ ኣይተ ደሴ ባንቲገኝ፤ ኣይተ ወለላዉ ገረምን ካልኦት ዘይተጠቐሱን ዝርከብዎም ኮይኖም። እቲ ዝተቐፅዕዎ ቅፅዓት ብዘይ ደረሰይ ከም ዝኾነ እቲ ሓበሬታ ኣብ መወዳእታ ኣገንዚቡ፣