Monday, January 20, 2014

ንመስርሒ ግድብ ኣባይ ተባሂሉ ዝለኣኽ ዝተፈላለየ መሳርሕታት ህንፃ ኣብ መዓልኡ እንከይወዓለ ኣብ ጉዕዞ እናሃለወ ይሽየጥ ምህላዉ ተገሊፁ፣




ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ ብ7 ጥሪ 2006 ዓ/ም ንመስርሒ ግድብ ኣባይ ተባሂሉ ብቑፅሪ ታርጋ ኮድ 3_66303 ኣዲስ ኣበባ  ዝኾነት ናይ ፅዕነት መኪና ተፃዒኑ ዝጓዓዝ ዝነበረ ቴንዲኖ፤ ጣውላን፤ ስካፋን፤ ካልኦትን መሳርሒ ህንፃ ኣብ ክልል ኣምሓራ ከተማ  ባህር ዳር  ምስ በፅሐ ንኣይተ  ፍቕሩ ኣሰፋ ዝተብሃለ መሻርኽቶም ሃፍታም ተሸይጡ እናተራገፈ እንከሎ ምስ’ቶም ዘራግፉ ሰራሕተኛ ብዝተልዓለ ዘይምስምማዕን ዕግርግርን  ብፖሊስ ክተሓዝ ከም ዝኸኣለ ተገሊፁ፣
     እቲ ሓበሬታ ኣስዒቡ  እቲ  ዝተታሓዘ ንብረት ንመስርሒ ኣባይ ግድብ ንኽውዕል ዝተላእኸ ምዃኑ ፖሊስ ምስ ፈለጡ ንኸይእሰርን ከይሕተትን ዝፈረሐ መራሒ መኪና፣ መኪንኡ ገዲፉ ካብቲ ከባቢ ከም ዝተሰወረ ኣመልኪቱ፣

ብተመሳሳሊ ኣብ ኣባይ ግድብ ስራሕ የሳልጣ ዝነበራ 15 ዝኾና ጀነሬተራት ሓለፍቲ ናይቲ ስራሕ ተበላሽየን ብዝብል ምኽንያት ካብቲ ቦታ ኣዉፂኦም እናሸጡ ኣብ ዉልቃዊ ረብሕኦም ከም ዘዉዓልዎን ኣብቲ ስራሕ ምክትል መሃንዲስን ንብረት ክፍሊ ሓላፊ ዝኾነ ኣይተ ተኣምራት ኣስረስ ብ2 ጥሪ 2006 ዓ/ም ኣቃሊዑ፣
     ኣይተ ተኣምራት ኣስረስ ነቲ ዝጠፋፋእ ዘሎ ንብረት ህዝብን ሃገርን ከቃልዕ ዝኸኣለ ድሕሪ ግዜ ብገበን ክሕተት ከም ዝኽእል ተረዲኡ ምዃኑ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ በቶም ተረባሕቲ ሓለፍቲ ኣብ ልዕሊኡ   ክፍፀም ካብ ዝኽእል ፀቕጢ ንምድሓን ካብ’ቲ ስራሕ ባዕሉ ከም ዝወፀ እቲ ሓበሬታ ኣብ መወዳእታ ኣፍሊጡ፣