Tuesday, January 14, 2014

ኣብ ከተማ መቐለ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ብዝኸፈአ መልክዑ ፅሩይ ማይን ሽኮርን ካልኦት ሃለኽቲ ነገራትን ተሳኢኖም ነበርቲ ኣብ ዓብዪ ፀገም ምዉዳቖም ተገሊፁ፣፣




እታ ሰሜናዊ ኮኸብ እናተበሃለት በቲ ዘይሓላፍነታዊ ስርዓት ህወሓት-ኢህወዴግ ዝሽቀጠላ ከተማ መቐለ ነበርታ ብስእነት ፅሩይ ዝስተ ማይን ሃለኽቲ ነገራትን ካብ ዝሳቐዩ ዓመታት ዘቑፀሩ እኳ እንተኾኑ፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን ግና ፅሩይ ማይን ሽኮርን ጠቕሊሎም ካብ ዝጠፍኡ ኣዋርሕ ኣቑፂሮም ክንሶም፤ ክሳብ ሕዚ ፍታሕ ዘናዲ ኣካል ብዘይምህላዉ ነባራይ ሕብረተሰብ ልዕሊ ዝኾነ ግዜ ዓቕሉ ፀንቂቑ መረረቱ ኣብ ዝለዓለ ጠርዙ በፂሑ ከም ዘሎ ዝበፀሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ፣
ኣብ ከተማ መቐለ ማይን ሽኮርን ካልኦት ሃለኽቲ ነገራትን ጥራይ ኣይኮኑን ተሳኢኖም ዘለዉ ዝበለ እቲ ሓበሬታ ስእነት ስራሕ ካብኡ ብዘይንእስ ብምስፍሕፍሑ መፍረያይ ሓይሊ መንእሰይ ግዝኡን ዕድመ ንእስነቱን ንኾንቱ ኣብ ፈቖዶ ጎደናታት ቀፈምዘዉ እናበለ ዉዒሉ ንድራር ዕለቱ እኳ ምርካብ ተሳኢንዎ ሰከም  ስድራቤታት  ኮይኑ ተሪፉ ከም ዘሎ ኣፍሊጡ፣
ኣስዒቡ እቲ ሓበሬታ በዝሒ ህዝቢ ከተማ መቐለ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናወሰኸ ኣብዚ ሕዚ እዋን ልዕሊ 427 ሽሕ /ኣርባዕተ ሚኢቲን ዒሳራን ሸዉዓተን ሽሕ/ በፂሑ ኣብ ዘለሉ፤ ኣብ መሰረተ ልምዓት ዝርገሐ ፀገም ዘሎ ኮይኑ። ብፍላይ እናኸፈአ ዝኸይድ ዘሎ ስእነት ማይን  ስራሕን  ዘይምፍትሑ። እቲ ስርዓት ነታ ከተማ ጠመተ ከም ዘይገበረላ እኹል መረዳእታ ከም ዝኾነ ኣረዲኡ፣፣
ነባሪ ሕብረተሰብ ከተማ መቐለ ብስእነት ፅሩይ ማይ ልዕሊ ማንም ዓቕሉ ፀንቂቑ ኣሎ ዝበለ እቲ ሓበሬታ ነቲ ወረድዎ ዘሎ ፍታሕ ዘይብሉ ምጥፍእ ፅሩይ ዝስተ ማይ ከም ግዝያዊ መፍትሒ ካብ ከባቢ እታ ከተማ ዝርከብ ብርስሓት ዝተበከለ ማይ ሩባታት ይጥቀም ኣብ ዘለሉ፤ ብወከልቱ ኣቢሉ ማይ ተፀጊምና ኣለና ብምባል ናብ ከንቲባ እታ ከተማ ጥርዓን ደጋግጊሞ እኳ እንተስምዑ ክሳብ ሐዚ ዝተወሰደ መፍትሒ ከም ዘየለ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣