Monday, January 27, 2014

ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ዘለዉ ኣማሓደርቲ ሰርዓት ህወሓት-ኢህወዴግ ኣብ ጉቦን ምጥፍፋእ ተዋፈሮም ዝርከቡ ተገሊፁ፣




ዋና ኣማሓዳሪ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ምስ ምክትሉን ሓላፊ ሕርሻ እቲ ዞባን  ብሓባር ልዕሊ 300 ሽሕ ብር ጉቦ ከም ዝተቐበሉ ብዝተፈላለየ ናይ ህዝቢ ሓበሬታ ምስተፈለጠ። እቶም ሰበ ስልጣን ጉቦ ተቐቢልኩም ሃፍቲ ህዝቢን ሃገርን ኣብ ዘይማዓሉ ተጠፋፍኡ ኣለኹም ኣብ ዝተበሃልሉ ክኣምኑ ብዘይምኽኣሎም። ምስ ካብኔ እቲ ዞባ  ኣብ ዓብዪ ወጠጠ ተፀሚዶም ድሕሪ ምቕናዮም ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣሚኖም ከም ዘለዉ ካብቲ ቦታ ዝበፀሓና ሓበሬታ ኣፍሊጡ፣
   እቶም ብግዕዝይና ዝጠልቀዩ ሰበ ስልጣን እታ ዞባ ድሕሮም ጉቦ ከም ዝተቐበሉ ክኣምኑ ዝኸኣሉ። ንልዕሊ ክልተ ሰሙን  ዝወሰደ ኣኼባ ድሕሪ ምክያዱ ምዃኑ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ። እቲ ብብላዕ ከም ዝተቐበልዎ ኣሚኖምሉ ዘለዉ ልዕሊ 300 ሽሕ ብር ክሳብ ሕዚ ብምትሕብባር ህዝቢ ምስተቃለዐ ዝኣመኑሉ ድኣ እምበር። ካብኡ ንላዕሊ ጉቦ ተቐቢሎምን ኣጠፋፊኦምን’ዮም ዝብል እምነት ኣብ ነባራይ ህዝቢ ከተማ ሑመራ ብምህላዉ። እቲ ምፅራይ ገና ይቕፅል ምህላዉ ሓደ ነገር ኮይኑ እንተኾአነ ኣብ ልዕሊ እቶም ብግዕዝይና ዝጠልቀዩ ሰበ ስልጣን ዝተወሰድ ናይ ምእሳር ይኹን ካልእ ስጉምቲ ብዘይምህላዉ።  እቶም ገበነኛታት ኣብ ቁፅፅር ዉዒሎም ናብ ሕጊ ክቀርቡ  ህዝቢ ሑመራ ፃዊዒት የቅርብ ከም ዘሎ የረድእ፣
  እዚ ከምዚ ዓይነት ጉቦ ምቕባልን ናይ ምጥፍፋእ ተግባር ካብ ላዕሊ ካሳብ ታሕቲ ዘለዉ መሓወር እቲ ስርዓት ልሙድ ተግባሮምን ኮይኑ ብምህላዉ። ነንባዕሎም  ኣሕሊፎም ንኸይዋሃሃቡ ድማ ብላዕልን ብታሕትን ተደጋጊፎም ኣብቲ ተግባር ገበን ብምስታፎም ጥፍኣቶም ንምሽፋን ክብሉ ንከምዚ ዝበለ ርኡይ ግዕዝይና ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ስለ ዘሰናኽልዎ። መወዳእትኡ መሃሪ ዝኾነ ስጉምቲ ክዉሰዶም ዘሎ ተኽእሎ ኣዝዩ ፀቢብ ከም ዝኾነ ብዙሓት ተዓዘብቲ  ሪኢቶኦም ይገልፁ፣