Sunday, March 23, 2014

ናብ ከባቢታት ኣዋጢርን መተማን መዓልታዊ ስራሕ ደልዮም ዝኸዱ ዜጋታት ፀጉረ ለወጥ እናተባሃሉ ይስጎጉ ከም ዘለዉ ተፈሊጡ።



ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ጎንደር ዝሓሸ መዓልታዊ ስራሕ ይርከበለን ናብ ዝበሃላ ከባብታት ኣዋጢርን መተማን ካብ ዝተፈላለየ ቦታታት ሃገርና ዝኸዱ ዜጋታት ብኣመሓደርትን ኣካላት ፀጥታትን እተን ዓድታት ፀጉረ ለወጥ ኢኹም እናተበሃሉ ብዘይ ወዓል ሕደር ክወፁ ይግበር ከም ዘሎ ካብቲ ከባቢ ዝበፀሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ።

እቲ ሓበሬታ ኣስዒቡ ከም ዘረድኦ ኣመሓደርትን ኣካላት ፀጥታን እቲ ከባቢ ነቶም ስራሕ ደልዮም ዝኸዱ ወገናት ንስኹም ኣብ’ዚ ክትሰርሑ እንተኾይንኩም መጀመርያ 600 ብር ከፊልኩም መለለዪ መንነት ካርድ ካብ ምምሕዳር ኣዉፅኡ ምስ በልዎም ንሕና ራህፅናን ጉልበትና ነፍስስ ዘለና ሰርሕና ክልወጥ’ምበር ንዓኹም ክንህበኩም ኣይኮንና ክብሉ ከም ዝመለስሎም ኣረዲኡ።

  በቲ ዝገጠሞም ተቓውሞ ዝተቖጥዑ ሰበስልጣን እቲ ስርዓት ዕሱባቶም ብምዉፋር ካብ ዝሰርሕሉ ቦታ እናገፈፉ ይእክብዎም ከም ዘለዉ ድሕሪ ምግላፅ ብፍላይ ካብቶም 600 ብር ኣትሪሮም ኣይንኸፍል ዝተዛረቡ ዉሽጢ ሃፍቶም በርሀ ዝተበሃለ ኣድራሽኡ ናዕዴር ዓዴት ዝኾነ ወገን ንስኻ ብረት ብኮንትሮባንድ ክነግድን መታወቅያ ክሸይጥን ተረኺቡ ብዝብል ሽርሒ ፌዴራል ፖሊስ ብ18 ለካቲት 2006 ዓ/ም ለይቲ ቀቲለሞ ከም ዝሓደሩ ካብቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።