እቶም ናይ’ቲ ወረዳ ነበርቲ ንመሰረት ልምዓት ክዉዕል
ተባሂሉ ዘዋፅእዎ ኣስታት 900 ሽሕ ብር ነቲ ዝተሓሰብሉ መዓላ እንከይወዓለ ኣመራርሓን ካድረታትን ወረዳ ዚገም
ተኻፊሎም ስለ ዝበልዕዎ ነባራይ ህዝቢ ኣብ ልዕልኦም ስጉምቲ ንኽዉሰድ ዘልዓሎ ሕቶ ሰማዒ ከም ዘይረኸበ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
እቲ ዝተዋፀአ ልዕሊ 900 ሽሕ ገንዘብ ህዝቢ ኣብተን
ገጠራት ንዘሎ ፀገም መብራሕቲ ንምቕላል ብሶላር ዝሰርሕ መብራሕቲ ንምትካል
ብዝብል ብኣይተ ኣዲሱ ብርሃኑ ዝተብሃለ በዓል ስልጣን ከም እተኣከበ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ እንተኾነ ኣይተ ብርሃኑ
ዝኣተዎ ቃል ንጎኒ ገዲፉ ነቲ ገንዘብ ህዝቢ ምስ መሻርሕቱ ኮይኑ ኣብ ውልቃዊ መናባብሮኡ ከም ዘውዓሎ ተገሊፁ።
ገንዘቦም ዝተበልዖም ነበርቲ እታ ወረዳ ፍታሕ ንምርካብ ናብ
ኣዛዚ ፖሊስ እቲ ወረዳ ኤንስፐክተር ኣስፋው ኣጥናፉን ከም’ዉን ናብቲ ከባቢ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ብምኻድ ዘቕረብዎ ጥርዓን ውፅኢት ክረኽብሉስ ይትረፍ እቶም ጥርዓን ሰማዕቲ ኣካላት ኣብቲ ምጥፍፋእ
ኢድ ኣታውነት ስለዘለዎም ነቲ ገበን ብምሽፍፋፍን ነቲ
ጥርዓን ግቡእ ምላሽ ክህብሉ ከም ዘይከኣሉ ኣረዲኡ።