Sunday, March 23, 2014

ኣብ ኩለን ዞባታትን ወረዳታትን ክልል ኣምሓራ ዝነብር ህዝብና ብግዴታ ንምሰርሒ ፋዉንደሽን መለስ ዜናዊ ገንዘብ ክኸፍል ይግደድ ምህላዉ ካብቲ ከባቢ ዝበፅሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ።



     ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝነብሩ ወገናት ነፍሲ ወከፍ ሓረስቶት 100 ብር ንፋውንዴሽን መለስ ዜናዊ ዝውዕል ገንዘብ ክኸፍል ይግደድ ምህላዉ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ብፍላይ  እቶም ታሕተዎት ኣማሓዳርቲ በቲ ስርዓት ተቐባልነት ንምርካብ ክብሉ ካብቲ ዝተተመነ መጠን ገንዘብ ንላዕሊ ንህዝቢ የኽፍልዎ ምህላዎም ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ገሊፁ።

     እቲ ሓበሬታ ኣስዒቡ  ነዚ ዝወረደ መደብ ዘየተግበረን ኣይከፍልን  ወይ’ውን ዓቕሚ የብለይን ዝበለ ወገን ይእሰር ምህላው ድሕሪ ምግላፅ ምስ ኣሰርዎ ድሕረ ባይትኡ ይፀናዕ እናተብሃለ ብዘይ ዝኾነ ሕጋዊ ኣፍልጦ ምስ ኣሰርዎ። ኣባል ተቓውምቲ ውድባት ኢኻ ፀረ ልምዓትን ሃገርን ዝተዋፈርካ እናተብሃለ  ካብ ሕጊ ወፃኢ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይዳጎን ከምዘሎ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።

     እቶም ፋዉንዴሽን መለስ ዜናዊ ገንዘብ ዘየዋፃእኹም ተባሂሎም ዝተኣሰሩን ዝእሰሩን ዘለዉ ዜጋታትና ምስ ስድርኦም መቕርብ ቤተሶምን ከይተራኸቡ ክጭነቑ ብምግባርን መነባብርኦም ብምዝባዕ ነቲ ዝተሓተዎ ገንዘብ ንኽኸፍሉ ንምግዳድ ምኳኑ ተፈሊጡ።