Wednesday, May 2, 2018

መንግስቲ ንሜቴክ ሂቡዎ ዝነበረ ናይ መዳበሪያ ፋብሪካ ብምምንዛዕ ንዓለም ለኻውያን ትካላት ናብ ጨረታ ከቕርቦ ምዃኑ ተሓቢሩ።



  ናይ ያዩ መዳበሪያ ፋብሪካ ንምህናፅ መንግስቲ ንሜቴክ ሂቡዎ ዋላ እንተፀንሐ፣ እቲ ኩባንያ ግን ተቋሙ ግን ብብዙሕ ቢሊዮን ዝቑፀር ገንዘብ ካብ ምብኻን ወፃኢ እዚ ዝበሃል ስራሕ ክሰርሕ ኣይከኣለን። ናይ መንግስቲ ትካላት ናይ ህዝቢ ርክብ ሓላፊ ዝኾኑ አቶ ወንዳፍራሽ አሰፋ ከም ዝገለፁዎ፣ እቲ ናይ ኩንትራት ስምምዕነት ከም ዝቋረፅን እቲ ስራሕ ንኻሊእ ኩባንያ ከም ዝወሃብ ስምምዕ ዘሎ እንትኸውን፣ ናይ መወዳእታ ውሳነ ግን ኣይተውሃበሉን። ኣብቲ ሓድሽ ጨረታ ዓለም ለኸ ኩባንያታት ክሳተፉዎ ከም ዝኽእሉ እቶም በዓል ስልጣን ገሊፆም።
ሜቴክ ናይ ንያያ መዳበሪያ ፋብሪካ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ሰሪሑ ንምውዳእ ቅድሚ ሽዱሽተ ዓመት ምስ መንግስቲ ናይ 11 ቢሊዮን ብር ስምምዕነት ፈሪሙ ነይሩ እዩ። ድሕሪ ሽዱሽተ ዓመታት ድማ እቲ ስራሕ ፍርቁ እንተይሰርሐ ተወሳኺ 20 ቢሊዮን ብር ከም ዘድልዮ ሕቶ ኣቕሪቡ እዩ። 
  ንሜቴክ ንነዊሕ ዓመታት ዝመርሑዎ ጄ/ል ክንፈ ዳኘው ብስርቅን ብናይ ምሕደራ ብልሽትን እቲ ኩባንያ ንዘጠፋፍኦ ካብ 100 ክሳብ 200 ቢሊዮን ብር ዝግመት ሃፍቲ ተሓታቲ እንተይኮኑ ዶ/ር አብይ ጠ/ሚኒስትር ኮይኑ ምስ ተመረፀ ካብ ስልጣኖም ክወርዱ ክኢሎም እዮም።


No comments:

Post a Comment