Friday, March 7, 2014

ኣብ ዞባ ምዕራብ ጎጃም ዝርከቡ ሓለፍቲ ፀጥታን ፖሊስን ወረዳታት ብሰበ ስልጣን ክልል ተመሪሑ ኣብ ዘካየድዎ ኣኼባ ዝቐርበ መዘራረቢ ዛዕባ ዓቕሊ ፅበትን ጭንቅን ዝወለዶ ከም ዝነበረ ተሓቢሩ።



ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ምዕራብ ጎጃም ካብ ዝርከባ 15 ወረዳታት ሓለፍቲ ፀጥታን ፖሊስን ዝተረኸብሉ ኣኼባ ካብ 18 ለካቲት 2006 ዓ.ም ኣትሒዙ ኣብ ከተማ ፍኖተ-ሰላም ኣዳራሽ ቤት ምኽሪ ምምሕዳር ብላዕለዎት ሰበስልጣን ክልል ኣምሓራ እናተኣለየ ዝተኻየደ ኮይኑ ባዕሎም እቶም መራሕቲ እቲ መድረኽ ሒዘሞ ዝቐረቡ መዘራረቢ ዛዕባ ጭንቂ ዝወለዶ ንሕቶ ብሕቶ ዝምልስ መእሰሪ ዘይነብሮ ከም ዝኾነ ካብታ ከተማ ዝበፀሓና ሓበሬታ ይገልፅ።

እቲ ሓበሬታ ወሲኹ መዘራረቢ ዛዕባ ተባሂሉ በቶም መራሕቲ መድረኽ ዝቐረበ ሕድ ሕድና ሓለፍቲ ኣይተኣሳሰርናን ካብ ዉሽጣዊ ሓበሬታ ጀሚሩ ምሽጥራት ምዉፃእ ኣሎ፤ ሕገ መንግስትና ንቐፃሊ እንታይ ይመስል ብተቓወምቲ ንዝለዓሉ ሕቶታት እንታይ ዓይነት መልሲ ይህብ፤ ህዝቢ ኣረኣእያ ተቓወምቲ ይቕበል ኣሎ ናህና እንታይ ስለ ዝኾነ እዩ?፤ ኣለምነዉ መኮነን ብዝላዓለ ኣገባብ ተገምጊሙ ብህፁፅ ካብ ስልጣኑ ተኣልዩ ክቕፃዕ ኣለዎ ኣምሓራይ ነፍጠኛ ኣይኮነን ተጋጊዩ እዩ ዝብሉ ምስሉያት ዛዕባታት ቀሪቦም ተዘራርቦምሎም እኳ እንተኾኑ መወዳእትኡ ግና መእሰሪ ከም ዘይነበሮ እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።