Friday, March 7, 2014

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ኣዊ ዝርከቡ ትካላት ኣብያተ ትምህርቲ መንግስቲ ኣብ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ፀገም ከም ዘለዎም ካብቲ ከባቢ ዝተረኸበ ሓበሬታ ገሊፁ።



      ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ ኣብ ዞባ ኣዊ ዝርከቡ ኣብያተ ትምህርቲ  ኣብ ኣፈፃፅማ  ፀገም ስለ ዘለዎም እቲ ዝዋሃብ ትምህርቲ  ፅሬት ይጎድሎ ምህላዉ ድሕሪ ምግላፅ ከም ውፂኢቱ ተምሃሮ ክጭብጥዎ ዝግባእ ፍልጠት  ክረኽቡ ከም ዘይከኣሉ ኣብ ወረዳ ኣንከሻ  ንከይዲ ትምህርቲ እታ ወረዳ ኣመልኪቱ ኣብ ዝተኻየደ ገምጋም  ተቓሊዑ።
       እቲ ሓበሬታ ወሲኹ  ሰራሕተኛታት ክፍሊ እታ ወረዳ ኣብ ትምህርቲ የጋጥም ንዘሎ ፀገም ኣመልኪቶም ገምጋም ዘካየዱ እንትኾኑ  ገለ ሰራሕተኛ ጠንቂ ናይቲ ፀገም እናሃለወ ኣባል ብኣዴን-ኢህወዴግ ብምዃኑ ልዑል  ነጥቢ እንትዋሃቦ ብኣንፃሩ  ዓቕሚ ዘለዎን ንፉዕ ዝኾነ መምህር ኣባል ናይ’ቲ ስርዓት ብዘይምዃኑ ዝተሓተ ነጥቢ ከም ዝዋሃቦ ንተሳተፍቲ እቲ ገምጋም ዝኾኑ ሰራሕተኛታት መሰረት ብምግባር ዝበፀሓና ሓበሬታ ገሊፁ።
      እቶም ሰራሕተኛታት ከም ዝገለፅዎ  ነቲ ዝረአ ፀገም ኣፈፃፅማ ስራሕ ትምህርቲ ጠንቁ ዝቡዕ ፖለቲካዊ ኣሰራርሓ መንግስቲ ምዃኑ ኣብቲ ገምጋም ዘቃለዑ ዜጋታት  ካብ ስርሖም  ይባረሩ ከም ዘለውን ኣብ ካልኦት ኣብያተ ዕዮ መንግስቲ’ውን ካብ’ቲ ዝተኻየደ  መጋመገሚ ነጥቢ ክፍለይ ከም ዘይኽእል ገለ ነቲ ጉዳይ ቅርበት ዘለዎም ወገናት ሓቢሮም።