Friday, March 7, 2014

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ኣዊ ወረዳ ኣንካሻ ዝርከቡ ሓለፍቲ ክፍሊ ትምህርቲ ገንዘብ ህዝብን ሃገርን የጠፋፍኡ ምህላዎም ተገሊፁ።



እቶም ገንዘብ ህዝቢ ዘጠፋፍኡ ዘለዉ ሓላፍቲ ክፍሊ ትምህርቲ እታ ወረዳ  ብሽም መዓልታዊ  ኣባል ኣብ ወርሒ ጥርን ለካቲትን 2006 ዓ.ም ጥራሕ ልዕሊ 200 ሽሕ ብር  ኣገባብ ብዘይብሉ መንገዲ ወፃኢ ብምግባር ከም ዘጠፋፍኡ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ  እቶም ኣብ ከምዚ ዓይነት ግዕዝይና ጥሒሎም ዝርከቡ ሽሞኛታት ኣብ ቤት ትምህርቲ  ኣገው  ግምጃ ቤት  ቑፅሪ 1 ዝሰርሑ  ከም ዝኾኑ ኣረዲኡ።

ካብኣቶም ገለ ንምጥቃስ፣-
·        ኣይተ ታደሰ ናይቲ ቤት ትምህርቲ ርእሰ መምህር፤
·        ኣይተ ዘለካ ናይቲ ቤት ትምህርቲ ተሓዚ ገንዘብ 
·        ኣይተ ኣቻምየለህ  ሓላፊ ቤት ፅሕፈት  ትምህርቲ ወረዳ ዝተባሃሉ ዝርከብዎም ኮይኖም ካብቲ ብሽም ኣበል ዘጠፋፍእዎ ገንዘብ ብተወሳኺ ናይት ቤት ትምህርቲ ቀላሚንጦስ ብዘይ ሕጋዊ ቅቢሊት ብምሻጥ ኣብ ወልቃዊ ረብሕኦም  ከም ዘውዓልዎ ተፈሊጡ።

ብተመሳስሊ ኣብታ ወረዳ ሓላፊ ደቐቕትን አናእሽቱን ኢንተርፕራይዝ ኣይተ ኣስረስ  መዓልታዊ ኣበል ኣምሲሉ ወፃኢ ብምግባር ኣብ ውልቓዊ ረብሓኡ ዘወዐሎ 22  ሽሕ ብር  ተወራርዱ ከም እተረጋገፀ ኣብቲ ወረዳ ኣብ ዝተኻየደ ገምጋም ቀሪቡ እኳ እንተኾነ ክሳብ ሕዚ ኣብ ልዕሊ እቲ በዓል ስልጣን ዝተወሰደ ስጉምቲ ከም ዘየለ  ካብቲ ቦታ ዝተረኸበ ሓበሬታ ይገልፅ።