Saturday, March 15, 2014

ኣብ ዞባ ማእከል ትግራይ ወረዳ ኣሕፈሮም ዝርከቡ መራሕቲ ስድራ መንበሪ ገዛኹም ኣፍርሱ ተባሂሎም ብካድረታት እቲ ስርዓት ይከላበቱን ይእሰሩን ምህላዎም ምንጭታትና።



ብመሰረት እቲ ሓበሬታ እቶም ኣብ ወረዳ ኣሕፈሮም ጣብያ ሰምሃል ዝርከቡ ኣስታት 35 ዝኾኑ መራሕቲ ስድራ ሓረስቶት ዋንነቱ  ናይ ወለዶም  ኣብ ዝኾነ መሬት ዝሰርሕዎ መንበሪ ገዝኦም ኣፍርስዎ ተባሂሎም ብምምሕዳር ናቲ ጣብያ ይፈራርሑን  ይእሰሩ ምህላዎም ምስ ገለፀ ነቲ ኣብ ልዕሊኦም  ዝበፅሕ  ዘሎ  ግፍዕታት መፍትሒ ንምእላሽ ናብ ዝምልከቶም ኣካላት ዘቕረብዎ ጥርዓን ሰማዒ ክረኽብሉ ከምዘይከኣሉ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።

        እቲ ሓበሬታ ኣስዒቡ ዝኾነ ይኹን ነባራይ ዝብፅሖ ናይ ስድርኡ  ናይ ሕርሻ መሬት ይኹን ሃፍቲ ክወርስ ይኽእል እዩ  ዝብል  ባዕሎም መሪሕነት እቲ ስርዓት ዘፅደቕዎ ሕጊ  እናሃልወ ነቲ ባዕሎም ዘውፅእዎ  ሕጊ  ድማ ባዕሎም የፍርስዎ ምህላዎም ገሊፆም።

 ካብ’ቶም መንበሪ ገዝኦም ከፍርሱ ትእዛዝ  ዝወረዶም ኣቦ 5 ቆልዑ ዝኾነ ኣይተ ገብረሃወርያ ገበረስላሰ እንትኾኑ ንሶም ከም ዝበልው “ምስ ስድራይ ኮይነ ብዙሕ ገንዘብን ጉልበትን ኣፍሲሰ ዝሰራሕኹዎ መንበሪ ገዛ  ብዘይ መተካእታን ካሕሳን  ክነፈርሶ ተገዲድና ስለ ዘለና ከም ውፅኢቱ  ንባዕለይን ስድራይ ሓዊስካ ብዙሓት ህፃውንትን ሽማግለታትን ዝርከብዎም ስድራ  ብስንኪ ስእነት መፅላለሊ  ኣብ በረኻ ተደርቢና ግዳይ ፀሓይን ቁርን  ኮይና ንሳቐ ኣለና” ክብሉ ንምንጭታትና ኣረዲኦም።