እቲ ኣብ ኣዳራሽ ፍኖተ ሰላም ካብ 8 ክሳብ 28 መጋቢ 2006 ዓ.ም ኣብ ምክያድ ዝርከብ ናይ ዘተ
ኣኼባ፣ ካብ 20 ቀበሌታት ዝተዋፅኡ ኣስታት 200 ኣመራርሓ ዝሳተፍሉ ዘለዉ ብላዕለዎት ሰበ ስልጣን ክልል ኣምሓራ ዝምራሕ ዘሎ
መድረኽ ከም ዝኾነ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ፣ እንተኾነ እቲ ዘተ ዘይከምቲ ዝተሓሰበሉ እቲ ሒዘሞ ዝቐረቡ ኣጀንዳ በመብዛሕትኡ ብተሳተፍቲ
ደገፍ ከምዘይረኸበ ተፈሊጡ።
እቶም ነቲ መድረኽ ዝመርሑ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ክልል ኣምሓራ ዝመፅእ ዓመት 2007 ዓ.ም ዝካየድ
መረፃ ኢህወዴግ ተዓዋቲ ክኸዉን ናሃትኩም ኣስተዋፅኦ ወሳኒ ተራ ኣለኩም እናበሉ ይጉስጉሱ ኣብ ዘለዉሉ፣ ብወገን እቶም ተሳተፍቲ ዝቐረበ ሓሳብ፦
Ø
መረፃ ፍትሓዊ ክኾን እንተኾኑ ንምንታይ ኢህወዴግ ንበይኑ ይጉስጉስ፣
Ø
ትልሚ ዕቤት ስግግርን 5 ዓመት ኣካል ዝኾነ ድኹዒ መዳበርያ ዋጋ ንሂሩ ምስቲ መደብ ኣይኸይድን ህዝቢ
የማርር ኣሎ፣
Ø
ህዝብና ብምኽንያታት ዕቀባ ማይን ሓመድን፤ ልቃሕ መዳበርያን ጥዕና ፓኬጅን ኣይተሳተፍካን ብዝብል ብዘይ
ንሕስያ እናሳቐናዮ፣ ፅባሕ ንጉሆ ንዓ ምረፀና ኣብ እንብለሉ ኣይመርፀናን ኣብዚ ሓላፍነት ኣይንወስድን ከም ዝበሉ ተፈሊጡ፣
ብተመሳሳሊ ካብቲ ዞባ እንከይ ወፃእና ኣብ ወረዳ ቡሬ ቀበሌታት ፈዘል፤ ሶንቶም፤ ቦቆጣቦ ዛልማን ከምኡ’ዉን
ኣብ ዞባ ኣዊ ወረዳ ባንጂ ከባቢ ሱርታ ዝተበሃለ ቀጠና ዝነበሩ ወገናት፣ ልቃሕ ኣይመለስኩም ንፋዉንዴሽን መለስ ኣይከፈኩምን
እናተበሃሉ ጥሪቶም ብዕሱባት እቲ ስርዓት ካብ ደብኤን ይዉሰዳ ከም ዘለዋ ዝበፀሓና ሓበሬታ ገሊፁ።