Tuesday, April 1, 2014

ኣብ ከተማ ሸራሮ ንዝስራሕ ዘሎ ኮብልስቶን ዝውዕል እምኒ እናፀረቡ ዘቕርቡ ዝነበሩ ወገናት ጉቦ ስለ ዘይሃቡ፣ ብኣማሓደርቲ ክእሰሩ ከም እተገበረ ካብቲ ከባቢ ዝበፅሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ።



ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ከተማ ሸራሮ ንዝስራሕ ምንፃፍ እምኒ (ኮብልስቶን)  እናፀረቡ ካብ ኣጉላዕ ዘቕርቡ ዝነበሩ  ኣይተ ሓጎስ ዝተበሃሉ ወገን ምስ በዓልቲቤቶምን ኣይተ ወላይ ዝተበሃለ መሳርሕቶምን ብምኳን ፅቡቅ እምኒ ተቕርቡ ኣለኹም እናተበሃሉ  ድሕሪ ምፅናሕ  እቲ ስራሕ ክውዳእ ምስ ቀረበ ጉቦ ሰለ ዘይከፈሉ ጥራሕ ተቕርብዎ ዝፀናሕኩም እምኒ ፅሬቱ ዝሓለወ  ኣይኮነን ተባሂሎም ብትእዛዝ ሽሞኛታት እታ ከተማ ኣብ ቤት  ማእሰርቲ ተዳጒኖም ይሳቐዩ ከም ዘለዉ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።

   ብመሰረት እቲ ሓበሬታ ተቐባሊ  እምኒ  ኮይኑ ነቶም ዝሰርሑ ምንፃፍ እምኒ ዘቕርብ ዝነበረ ኣይተ ሓጎስ ፍስሃዬ ዝተብሃለ ተወላዲ ከተማ ሸራሮ ኣጭበርባርን ተሓባባርን ኢኻ ተባሂሉ ምስቶም ካብ ኣጉላዕ ናብ ከተማ ሸራሮ ዝተፀረበ እምኒ ዘቕርቡ ዝነበሩ ዜጋታት ክእሰር ከም እተገብረን፣ ከም’ዉን ኣብቲ ምንፃፍ እምኒ መሃንድስ ቅየሳ ዝነበረ መምህር ሰለሙን ዝተብሃለ ወገን ንሳኻ ንባዕልኻ ኣጭበርባሪን ተሓባባሪ ናሃቶም ኢኻ ኢሎም ካብቲ ስራሕ ከም ዘባረርዎ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።