Tuesday, April 1, 2014

ኣብ ዞባ ሰሜን ጎንደር ኣብ ስራሕቲ ምእራይ ወርቂ ዝተዋፈሩ ሰብ ሃፍቲ ምስ ተቓወምቲ ትተሓባበሩ ኢኹም እናተበሃሉ ልዕሊ ሸሞንተ ሚሊዮን ዝዋግኡ መሳርሒ ንብረቶም ተመንጢሎም ተኣሲሮም ከም ዘለው ምንጭታትና ሓቢሮም።



    እቶም ልዕሊ 70 ዝኾኑ ኣብ ምዉፃእ ወርቂ ተዋፊሮም ክሰርሑ ዝፀንሑ ወገናት፣ ንስኹም ድገፍትን ተሓባበርትን ኣብ ሽበራ ተግባር ዝተዋፈሩ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዘካይዱ ዉድባት ኢኹም ብዝብል፣ ፌዴራል ፖሊስ ገፊፎም ብምውሳድ ምንም ዝፈፀምዎ ገበነ ዘይብሎም ናብ ቤት ማእሰርቲታት ሽረ፤ ማይ ገባን ሑመራን ወሲዶም የሳቕይዎም ከም ዘለዉ ንፍላጥ ተኻኢሉ።

ካብቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘለው  ሽሞም ዝተፈለጡ ንፁሃት ዜጋታት ኣይተ ዛፌ፤ ኣይተ ሻምበል፤ ኣይተ ፍስሃን ኣጥናፉን ዝተባህሉ ኮይኖም፣  ንመመርመሪ ወርቂ ዝጥቀምሉ ዝነበሩ ንሓደ ብ180 ሽሕ ብር ዋጋ ዝተዓደጉ 45 ቱግኒስቱን ዲቬክስን ዝተባህሉ ማሽናት በቲ ስርዓት ተወሪሶም ዝተወሰዱ ምኳኖም እቲ ሓበሬታ ወሲኹ የረድእ።