Tuesday, April 1, 2014

ኣብ ክልል ኣምሓራ ከተማታት ባህርዳርን ሊበንን ዝነብር ህዝቢ ብክብሪ መነባብሮን ካልኦት ተዛመድቲ ሽግራትን መነባብርኦም ኣብ ምምራሕ ተፀጊሞም ከም ዝርከቡ ተገሊፁ።



ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፣  መላእ ሕብረተሰብ ባህርዳን ሊበንን ኣብ ስልጣን ብዘሎ ገዛኢ መንግስቲ ኣባል መድሕን ጥዕና ክኸዉን ኣለዎ ንዝብል ተደጋጋሚ ዘረባ ምሉእ ብምሉእ ዝነፀጎ እንትኾኑ፣ ኣመሓደርትን ካደረታትን እተን ከተማታት በተን ከም መሳርሒ ክጥቀሙለን ዝወደብወን ሓደ ንሓሙሽተን ሸዉዓት ንሰላሳን ዝብልወን ተጠቒሞም ወገሐ ፀበሐ ኣኼባ እናፀውዑ ኣገዲዶም ኣባላት ኩኑ እናበሉ ዓቕሎም የፅብብሎም ከም ዘለዉ ኣረዲኡ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ብሰንኪ እቲ ኣብ ባህርዳር ዝካየድ ዘሎ ‘መላእ ስፖርት ኢትዮጵያ’ ዝተሰምየ በዝሒ ቁፅሪ ዘለዎ ህዝቢ ናብ’ታ  ከተማ ስለ ዝኣተወ፣ ኣብ ባህርዳርን ኣብቲ ከባቢ ዝርከባ ከተማታት ሊበንን ካልኦትን ነቲ ዝፀንሐ ክብሪ መነባብሮ ኣጋዲድዎ ዝርከብ ኮይኑ ብፍላይ ከዓ ኣብ ሆቴላትን ሃለቕቲ ሸቐጣትን ዋጋ ሰማይ ብምዕራጉ ነባሪ ህዝቢ ኣዚዩ ዕለታዊ ህይወቱ ንምምራሕ ተፀጊሙ ከም ዘሎ ይምፍላጥ ተኻኢሉ።

ኣብ ምወዳእታ በቶም ህዝባዉነት ዘይብሎም መራሕቲ ስርዓት ኢህወዴግ ንመድሕን ጥዕና፤ ንፋዉንዴሽን መለስን ካልእን ገንዘብ ክፈል እናበሉ ነቲ ህዝቢ የጨናንቕዎ እኳ እንተለዉ፣ ህዝቢ ብወገኑ እቲ ዝሕተቶ ዘሎ ገንዘብ ክኸፍል ዓቕሚ ከም ዘይብሉ ብምረት ኣብ ምግላፅ ከም ዝርከብ እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ የመልክት።