ካብ’ቲ ኣባላት ተቓወምቲ ንምእሳር ዝጥቀመሎም
ዘለዉ ሜላታት፣ ኣብ ልምዓት ስራሕቲ ኣይተሳተፍኩምን፤ ገደባ ኣይሰራኹምን፤ ንልምዓት ዝዉዕል ገንዘብ ኣየዋፃእኹምን ህዝቢ
ብገንዘቡን ጉልበቱን ዓዱ ከየልምዕ ዘይኮነ ጎስጓስ እናጎስጎስኩም ኣንፈቱ ተስሕትዎን ተሰናኽሉን ኣለኹም ብዝብል ከም ዝኾነ ካብ
በብከባቢኡ ዝበፀሐና ሓበሬታ ኣፍሊጡ።
ካብቶም ዝተኣሰሩ ኣባላት ተቓወምቲ ኣብ ዞባ
ሰሜን ወሎ ወረዳ መቄት ካብ ዝቀሳቐሱ ኣመራርሓ መ.ኢ.ኣ.ድ ኣይተ ኣለምየ ጫኔ፤ ኣይተ ሞላ ገረመዉን ካልኦት ዘይተጠቐሱን
ዝርከብዎም ብዘይ ዝኾነ ገበን ነቲ ስርዓት ተቓዊሞም ብሰላማዊ መንገዲ ስለ እተቓለሱ ንእስራት ከም እተቓልዑ ኣረዲኡ።
ብተመሳሳሊ ኣብ ትግራይ ወረዳ ኣለማጣ ካብ እተኣሰሩ ኣባላት ተቓወምቲ
ዉድባት ኣይተ እያሱ ሁሴን ሓደ እንትኾን፣ ከም’ዉን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክፍለ ከተማ ላፍቶ ኣርባዕተ ኣባላትን ኣመራርሓን
ተቓወምቲ እንትእሰሩ፣ ኣብ ኦሮሚያ ዞባ ወለጋ ኪረሙን ነቀምትን ዝርከቡ ኣባላት ተቓወምቲ’ዉን ብሓሶት ተኸሲሶም እናተኣስሩ ከም
ዘለዉ ተፈሊጡ ኣሎ።