Sunday, April 13, 2014

ኣብ ክልል ኣምሓራ ምምሕዳር ዞባ ኣዊ ኣብ ዝተፋላለያ ወረዳታት ብሽም ኣኽበርቲ ፀጥታ ተባሂሎም ዝተመደቡ ሓይልታት ንፁሃት ዜጋታትና ብዘይ ወዓልዎ ገበን እንዳጠቀኑ ይኣስሩን የሳቕዩን ከም ዘለዉ ምንጪታትና ካብቲ ቦታ ሓቢሮም።



ብመሰረት‘ቲ ሓበሬታ ኣብ ምምሕዳር ዞባ ኣዊ ኣብ ዝርከባ ወረዳታት ብስርዓት ወያነ ኢህወደግ ዝተዋቐሩ ኣኽበርቲ ፀጥታ ምስ ላዕለዎት ናይ ዞባን ወረዳን ኣመራርሓ ብምኻን ንፁሃት ወገናትና ብዘይ ውዓልዎ ገበን ይቕጥቅጡን  ይኣስሩን ምህላዎም ድሕሪ ምግላፅ እዚ ድማ  ካብ ሓደ  ሃገር ይመርሕ ኣለኹ ዝብል መንግስቲ እትፅበዮ ኣይኮነን ክብሉ ነበርቲ ብምረት ገሊፆም።
    እቲ ሓበሬታ ብምቕፃል አብ ወረዳ ጃዊ እንተኾነ’ውን ብናይ ዞባን ወረዳን ላዕለዎት ሓልፍትን ብሽም አኽበርቲ ፀጥታ ዝተዋፈሩ ብጥምረት ኮይኖም ንኑፁሃት ነበርቲ ኣዊን ጃዊን እንዳፈራርሑ ገንዘብ የኽፉሉን ይቕጥቅጡን ከም ዘለው ተፈሊጡ።
፣ ካብቶም ብዘይ ኣገባብ ዝተቐፅዑ ዜጋታት  ገለ ንምጥቃስ ፦
1.  አቶ ወርቁ አድማሴ 28 ሺሕ ብር  ካብ ቀበሌ ኣቦ
2.  ኣምሳሉ ቸኮል 27 ሽሕ ብር ካብ ቀበሌ ወርቅ  ሃገር
3.  ቡዙኣየሁ ኣድማሴ 48 ሽሕ ብር ቀበሌ ዘረገነት
4.  ጌታቸው ገነት 20 ሽሕ ብር ካብ ወርቅ ሃገረ ቀበሌ
5.  ጌታቸው ፋንታሁን 25  ሽሕ ብር ካብ ኣቦ ቀበሌ
6.  በላቸው ኣረጋው 26 ሽሕብር ካብ ዘረ ገነት ቀበሌ
7.  ኣቶ ኣጥናፉ ወሌ 4 ሽሕ ብር ካብ ዘረ ገነት ቀበሌ
8.  ኣቶ በላይ ሙሉ 10 ሽሕ ብር ካብ ቀበሌ ቡንጂራ
9.  ኣቶ ኣለምነህ ዳኘው 5 ሽሕ ብር ካብ ቡንጂራ ቀበሌ
10.       ኣበጀ ኣስማረ 10 ሽሕ ብር ካብ ድቅ ቀበሌ
11.       ኣባተ ኣድጎ 10 ሽሕ ብር ካብ ድቅ ቀበሌ
12.       ኣለሙ ኣብጀው 20 ሽሕ ብር ካብ ቡኒጂራ ቀበሌ
13.       ኣቶ ዘገየ 7 ሽሕ ብር  ካብ ማተባ ቀበሌ
14.       ኣቶ ጌታቸው 6ሽሕ ብር ካብ ማተባ ቀበሌ እንትኾኑ
 እዞም  ዜጋታት ብመንጎኛ ኢንስፔክተር ባድግ ዝተብሃለ ፀረ ህዝቢ ናይ ፖሊስ ኣመራርሓ ካብ ናብ ቤት ፍርዲ ንወስደኩም ንሕና ዝበልናኩም ክፈሉ ብምባል መንጎኛ ብምዃን ምስ ሰበስልጣን ዞባን ወረዳን ብምምሽጣር ልዕሊ 246,000 ብር ናብ ናይ ውልቂ ካዝንኦም ከም ዘእተውዎ ተፈሊጡ።