Sunday, April 13, 2014

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ምዕራብ ጎጃም ወረዳ ቡሬ ዝርከቡ ኣማሓደርቲ ረብሓ ዝምንቀሊኡ ኣብ መንጎኦም ግጭት ተፈጢሩ ከምዘሎ ካብቲ ከባቢ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።



ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ ኣማሓደርቲ ወረዳ ቡሬ ወልቃዊ ጥቕሚ ዝመበገሲኡ ብዝተልዓለ ግጭት ኣብ መንገኦም ከቢድ ቅርሕንቲ ተፈጢሩ ምህላዉ ድሕሪ ምግላፅ  ካብቶም ናብ  ቅርሕንቲ ንኽኣትዉ  ጠንቂ ዝኾኑ ነገራት ድማ ሓደሽቲ ሰራሕተኛታት ኣብ ዝቆፅሩሉ እዋን ጉቦ ኣብ ምቕባልን ቤተሰቦም ስራሕ ንምእታው ኣብ ዘካየድዎ ዝነበረ ውዲት ሕድሕዶም ስለዝተፋለጡ ክሰማማዑ ብዘይምኽኣሎም  ምኻኑ ተፈሊጡ።

       እቲ ኻሊእ ናብ ግጭት ንኽኣትዉ ጠንቂ ኮይንዎም ዘሎ ድማ ኣብ መንጎ ኣባላት ብኣዴን ዝኾኑን ኣባላት ዘይኮኑን  ዘሎ ዘይምቅዳው ምኻኑ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ፣ ከምውፂኢቱ  ኣባላት ብኣዴን ዘይኮኑ  ሰራሕተኛታት ካብ ስረሖም ይስጎጉ ከም ዘለዉን በዚ ዘይሕጋዊ ኣሰራርሓ ዝነደሩ ተምሃሮ እቲ ኮለጅ ድማ ናዕቢ ከየለዕሉ ስግኣት  ከምዘሎ ብዙሓት ተዓዘብቲ ይገልፁ።