Sunday, April 13, 2014

ኣብ ዝተፈላልለዩ ከተማታት ሃገርና ሕፅረት ገዛውቲ ክፈትሑ ተባሂሎም ዝስርሑ ዘለዉ ናይ ኮንደሚኒዬም ገዛውቲ ብሰበስልጣን ወያነ-ኢህወዴግ ጥራሕ ይበሓቱ ምህላዎም ተፈሊጡ።



እዞም  ናይ ህዝቢ ፀገም  ሕፅረት መንበሪ ገዛውቲ ክፈትሑ’ዮም ተባሂሎም ኣብ ዝተፈላልዩ ከተማታት ሃገርና ኣብ ዝተመርፁ ስፍራታት ዝስርሑ ዘለዉ ናይ ኮንደሚኒዮም ገዛውቲ  ናብ ኢድ  ህዝቢ ከይበፅሑ  ብሰበ ስልጣን ኢህወዴግ  ይበሓቱ ምህላዎም ዝተዓዘቡ ነበርቲ ከተማታት ሃገርና  እዚ ስርዓት ንረብሓ ህዝቢ ደው ዝበለ ዘይኮነስ ንሰበስልጣን ጥራሕ ዘገልግል ሰርዓት እዩ ብምባል መረረቶም ይገልፁ ምህላዎም  ዝበፅሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ።

ከም ኣብነት ድማ  ኣብ ክልል ትግራይ ከተማ መቐለ ኣብ ከባቢያዊ ምምሕዳር ሰሜን ወረዳን ከም እዉን ኣብ ከባቢያዊ ምምሕዳር ሓድነት  ዝተሰርሑ ናይ ኮንደሚኒየም ገዛውቲ ነበርቲ ፀገም መንበሪ ክፈትሓልና‘ዩ ብምባል  ተሰሪሑ ክሳብ ዝውዳእ ኣብ ምክትታልን ብተስፋ ክፅበዩ ድሕሪ ምፅንሖም ኣማሓደርቲ ከተማ መቐለ ንባዕሎምን ቤተሰቦም  ከም ዝተኸፋፈልዎን እቲ ዝተረፈ ድማ ጉቦ ንዝሃብዎምን ንዝቐርብዎምን ከም ዝዓደልዎ እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ።