ኣብ’ታ
ዞባ ንዘሎ ምሕደራ መሬት ኣመልኪቱ ኣብ ወረዳታት ቃፍታ ሑመራን ፀገዴን ብ15 መጋቢት 2006 ዓ.ም እተኻየደ ኣኼባ እቶም ነቲ
መድረኽ ዝመርሑ ዝነበሩ ሰበ ስልጣን ህዝቢ ኣብ ኣጠቓቕማ መሬት ፀገም ከም ዘለዎ ኣምሲሎም ኣብቲ መኸፈቲ ኣኼባ ክቕርብዎ ኣብ
ዝፈተኑ ተኣከብቲ ብኣንፃሩ ኣብ ኣጠቓቕማ መሬት ፀገም ዝፈጥር ዘሎ ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ ባዕሉ ምዃኑ ብመርትዖ ኣሰንዮም
ከም ዘቕረቡ ንተሳተፍቲ እቲ ኣኼባ መሰረት ጌሩ ዝበፀሓና ሓበሬታ የረድእ።
ብተወሳኺ
ካብ ተኸፋልቲ እቲ ኣኼባ ሓደ ብሓደ እንትዛረቡ “መሬት ሕጋዉነት
ብዘይብሉ መንገዲ ዝሸይጥን ብግበረለይ ክገብረልካ ክዕደል ዝገበር ዘሎን መንግስቲ ምዃኑ ኩሉ ዝዕዘቦ ዘሎ ሓቂ እዩ። ብሰንኪ
እዚ ትኽተልዎ ዘለኹም ግዕዙይ ኣሰራርሓ ከዓ ክራይ ኣካብነት ካብ ግዜ ናብ ግዜ ተስፋሕፊሑ ንኩሉ ምሕደራ መሬት ሓሊኹ ሕዝዎ
ኣሎ ክብሉ ብምረት ምዝራቦም ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
ብፍላይ
ተኣከብቲ ቃፍታ ሑመራ መንግስቲ ብመንገዲ መሓዉራቱ ዝኽተሎ ዘሎ ፀረ ሰናይ ምምሕዳር ዝኾነ ብልሹዉ ኣሰራርሓ ክሓክኽ ኣብ ክንዲ
ዝብገስ ንዉፁዕ ህዝቢ ተገሊብጡ ፀገም ከም ዘለዎ ኣምሲልካ ምቕራብ ካልኣይ በደል ምዃኑ ብምረት ምስ ተዛረቡ መራሕቲ እቲ ኣኼባ
ክቕበልዎ ብዘይምኽኣሎም ብዝተለዓለ ኣፈላላይ ተኣከብቲ በዚ ተቖጢዖም ነቲ ኣኼባ ረጊፆሞ ዝተበተኑ እንትኾኑ ተኣከብቲ ፀገዴ’ዉን
ብዘይ ምርዳድእ ክሳብ 16 መጋቢት 2006 ዓ/ም ኣብቲ ኣኼባ ተፀሚዶም ከም ዝነበሩ እቲ ሓበሬታ የረድእ።