Wednesday, April 2, 2014

ኣብ ዳንሻ ዝርከቡ ነባራት ተጋደልቲ “ናብ ስልጣን ዘምፅእናዮ መንግስቲ ኢህወዴግ መታለልን ሓሳዉን እዩ” ክብሉ ኣብዚ ቅንያት ኣብ እተሳለጠ ህዝባዊ ኣኼባ ብምረት ምዝራቦም ምንጭታትና ካብቲ ቦታ ሓቢሮም።



ብመሰረት ምንጭታትና ክሳብ ቀረባ እዋን ኣብ ሰራዊት ምክልኻል ላዕለዎት መኮንናት ኮይኖም ክሰርሑ ዝፀንሑ ነባራት ተጋዳልቲ ህወሓት ኢህወዴግ ካብ ስራዊት ተሰናብቶም ናብ ዳንሻ ክላኣኹ እንተለዉ ንማሕበራዉን ቁጠባዉን መነባብርኦም ዘድሊ ኩሉ ጠለባት ክመላኣሎም ምዃኑ በቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ዉድብ ቃል ተኣትይሎም እኳ እንተነበረ። ድሕሪ ምስንባቶም ዝተዋሃቦም 10 ሄክታር ባዶ ናይ ሕርሻ መሬት ቆላሕ ኢሉ ዝርኦም በዓል ስልጣን ስለ ዘይረኸቡ “ኢህወዴግ ጠላምን ሓሳዉን ስርዓት እዩ” ክብሉ ብ5 ለካቲት 2006 ዓ.ም በቲ ስርዓት ኣብ እተዳለወ ህዝባዊ ኣኼባ ብቁጠዐ ከም እተዛረቡ ተፈሊጡ።

እቶም ነባራት ተጋደልቲ መኮንናት ኮለኔል ደመቀን ሻለቃ ኣሸበርን ዝተበሃሉ ኮይኖም ንሳቶም ኣብ ዘረብኦም “መንግስቲ ኢህወዴግ ዝኣመነን ማይ ዝሓቖነን….. ሓደ እዩ” ክብሉ ኣብ እተዛረብሉ ኣኼባ ዝነበረ ተኣካቢ ህዝቢ ንዘረብኦም ደጊፉ ብጣቕዔት ብምስናዩ ዝተቆጥዑ መራሕቲ እቲ መድረኽ ዝነበሩ ኣመሓደርቲ ንስኹም ኣብ ክንዲ ንመንግስትኹም ምድጋፍ ብኣንፃሩ ንህዝቢ ተለዓዕሉ ኣለኹም ብምባል ተዋሂብዎም ዝነበረ 10 ሄክታር ናይ ሕርሻ መሬት ክምንጠሉ ከም ዝገበሩ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ።