Wednesday, April 2, 2014

መራሕቲ መኪና ሰራዊት ምክልኻል ኢህወዴግ ካብ ኢትዮጵያ ናብ ሱዳን ብኮንትሮባንድ ክነብፅሓኩም ኢና እናበሉ ካብ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ገንዘብ ምስተቐበሉ ኣብ በረኻ ወሲዶም ይድርብይዎም ከም ዘለዉ ተሓቢሩ።



ኣብ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ጣብያ ዝባን ገደና ኣብ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ተቐሚጦም ህይወቶም ንምምራሕ ዝሓሰሞም ኤርትራዉያን ካብቲ መዓስከር ክወፁ ዝደልዩ ምዃኖም ዝፈልጡ ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ መራሕቲ መኪና ሰራዊት ምክልኻል ስርዓት ጉጅለ ኢህወዴግ ናብ ሳልሳይ ሃገር ክነብፅሓኩም ክንድ’ዚ ገንዝብ ክፈሉ እናበሉ ብምቕባል ካብ ኢትዮጵያ እንከይ ወፅኡ ኣብ በረኻ ወሲዶም ብምድርባይ ኣደዳ ማእሰርትን ስቓይን ይገብርዎም ከም ዘለዉ ንግዳያት መሰረት ብምግባር ዝበፀሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ።

ካብ’ቶም ከም’ዚ ዓይነት መታለሊ ተግብራት ዝፍፅሙ ዘለዉ መራሕቲ መኪና ሰራዊት ምክልኻል ኦራል ዝዓይነታ መኪና ዝሕዝ ዓብደ ራሕማን ወይ ከዓ ወርያ ብዝብል ሳጓ ዝፍለጥ ሓደ ኮይኑ ንሱ በላይ ለኣከ ምስ እተበሃለ ነባርነቱ ከተማ ሸራሮ ዝኾነ ደላላይ ብምትሕብባር ብ12 መጋቢት 2006 ዓ.ም ነቶም ኤርትራዉያን ካብ መዓስከር ሽመልባ ኣዉፂኦም ኣብ በረኻ ከም ዝገደፍዎም ንምፍላጥ ተኻኢሉ።

በታ ኦራል ዝዓይነታ መኪና ፅዒነሞም ብለይቲ ብመንገዲ ሑመራ ንሱዳን እናተጓዓዙ ኣብ ሓለዋ ተከዘ ንዝነበረ ሽመንዲ ዝተበሃለ ፖሊስ ብላዕ ከፊሎም  ብዘይ ምንም ፀገም ሓሊፎም እድሪስ ኣብ እተበሃለ ቦታ ምስ በፅሑ መሬት ስለ ዝወገሖም ኣብቲ ከባቢ ድማ ኬላ ከም ዘሎ ስለ ዝፈልጡ ከይተሓዙ ፈሪሖም ኣብ በረኻ ደርብዮም ምስ ከዱ ንሰለስተ መዓልቲ ዝኣክል ብጥሜትን ፅምኢ ማይን ክሳቐዩ ድሕሪ ምፅናሕ ነባሪ ህዝቢ እቲ ከባቢ ከም ዝረኸቦም እቲ ሓበሬታ ኣብ መወዳእታ ገሊፁ።