ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ ብሰንኪ ክብሪ ዋጋ ሓሩጭ
ፊኖ ኣብ ሃገርና ዝርከቡ ወነንቲ ትካል መስርሒ ሕብስቲ ነቲ ዝሰርሕዎ ባኒ ብኽባር ክሸጥዎ ስለዝጀመሩ ሕብረተሰብ ከይዕድጎም
ድማ ልዕሊ ዓቕሙ ሰለዝኾኖ ግቡእ ኣገልግሎት ከይህቡ ተፀጊሞምን
ንኽሳራ ተቓሊዖምን ምህላዎም ተፈሊጡ።
እቲ ሓበሬታ ኣስዒቡ
ኣብ ከተማ መቐለ ዋጋ ሓሩጭ ፊኖ
ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ይወስኽ ምህላዉን ንሱውን
ቅድሚ ሓደ ወርሒ ዋጋ ሓምሳ ኪሎ ሓሩጭ 420 ዝነበረ እንትኸውን ሓደ ወርሒ
ኣብ ዘይመልእ 230 ብር ብምውሳኽ ናብ 650 ብር
ከም ዝተሰቐለን ከም ውፂኢቱ ድማ ሰብ ትካላት ሕብስቲ ናብ ክሳራ ሰለ ዝወደቑ ምረቶም ይገልፁን ዘስርሕዎም ዝነበሩ
ሰራሓተኛታቶም ካብ ስራሕ የውፅእዎም ከም ዘለዉ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
ኣብ
መወዳእታ ነበርቲ ከተማ መቐለ በቲ ክብሪ ባኒ ተፀጊሞም ምህላዎም
ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ነዚ ዘጋጠመ ፀገም ብምምሕዳር ከተማ መቐለ ፍታሕ ንኽገብረሉ ካብ ህዝቢ ዝቀረበ ጥርዓን ፀማም እዝኒ ከም ዝሓብዎ ካብቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ንምፍላጥ
ተኻኢሉ።