Sunday, April 13, 2014

ኣብ ዝተፈላልዩ ከተማታት ሃገርና ዝርከቡ ወነንቲ ትካል መስርሒ ሕብስቲ ብሰንኪ ክብሪ ዋጋ ሓሩጭ ፊኖ ንኽሳራ ይቃልዑ ምህላውም ካብ ዝተፈላልዩ ከባቢታት ሃገርና ዝበፅሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ።



ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ ብሰንኪ ክብሪ ዋጋ ሓሩጭ ፊኖ ኣብ ሃገርና ዝርከቡ ወነንቲ ትካል መስርሒ ሕብስቲ ነቲ ዝሰርሕዎ ባኒ ብኽባር ክሸጥዎ ስለዝጀመሩ ሕብረተሰብ ከይዕድጎም ድማ ልዕሊ ዓቕሙ  ሰለዝኾኖ ግቡእ ኣገልግሎት ከይህቡ ተፀጊሞምን ንኽሳራ ተቓሊዖምን ምህላዎም ተፈሊጡ።
 
  እቲ ሓበሬታ ኣስዒቡ  ኣብ ከተማ መቐለ  ዋጋ  ሓሩጭ ፊኖ  ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ይወስኽ  ምህላዉን ንሱውን ቅድሚ ሓደ ወርሒ ዋጋ ሓምሳ ኪሎ ሓሩጭ 420 ዝነበረ እንትኸውን ሓደ ወርሒ  ኣብ ዘይመልእ 230 ብር ብምውሳኽ ናብ  650 ብር ከም ዝተሰቐለን ከም ውፂኢቱ ድማ  ሰብ ትካላት  ሕብስቲ ናብ ክሳራ ሰለ ዝወደቑ ምረቶም ይገልፁን ዘስርሕዎም ዝነበሩ ሰራሓተኛታቶም ካብ ስራሕ የውፅእዎም ከም ዘለዉ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።

  ኣብ መወዳእታ  ነበርቲ ከተማ መቐለ በቲ ክብሪ ባኒ ተፀጊሞም ምህላዎም ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ  ነዚ ዘጋጠመ  ፀገም ብምምሕዳር ከተማ  መቐለ ፍታሕ ንኽገብረሉ ካብ ህዝቢ ዝቀረበ  ጥርዓን ፀማም እዝኒ ከም ዝሓብዎ ካብቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።