Wednesday, April 2, 2014

ወተሃደራዊ ሓለፍቲ ስርዓት ኢህወዴግ ኣብ ልዕሊኦም ዝፍፀም ዘሎ ኣድልዎ ስለ ዝመረሮም ንስራሕ ዝተዋሃቦም ገንዘብ ሒዞሞ ይስወሩ ከም ዘለዉ ምንጭታትና ሓቢሮም።



እቶም ወተሃደራዊ ሽሞኛታት ስርዓት ኢህወዴግ ኣብ ውሽጢ ስራዊት ምክልኻል ዘሎ ኣፈላልይን ኣድልዎን ካብ እዋን ናብ እዋን እናኸፈአ ብምምፅኡ ንስራሕ ዝተዋሃቦም ገንዘብን ንብረትን ሒዘሞ ይጠፍኡ ምህላዎም ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ካብቶም ከምዚ ዓይነት ስጉምቲ ዝወሰዱ ኣብ መበል 24 ክፍለ ሰራዊት ሓላፊ ኢንዶክትሪነይሽንን ኦፕሬሽንን ዝኾነ ሻምበል ደረጀ ቀልቤሳ ዝተብሃለ ከም ዝኾነ ተፈሊጡ።

ሻምበል ደረጀ ንዳርፉር  ዓቓቢ ሰላም ተባሂሎም ዝለኣኹ ዘለዉ ወተሃደራት ብትኽክለኛ መለክዒ ዝሓለፉ ዘይኮኑስ ብግበረለይ ክገብረልካን ወገንነትን ይፍፀም ኣሎ ብምባል ንስራሕ ተባሂሉ ዝተውሃቦ ናይቲ ክፍለ ሰራዊት 32 ሽሕ ብር  ብ4 መጋቢት 2006 ዓ/ም ሒዝዎ ከም ዝጠፍአ እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ወሲኹ ገሊፁ።

  እቲ ሓበሬታ ኣስዕዒቡ ነቲ ገንዘብ ሒዙ ዝተሰወረ ሻምበል ንምሓዝ ብዙሕ ፃዕሪ ዋላካ እንተተኻየደ ክሳብ ሕዚ ክርከብ ብዘይ ምኽኣሉ ንዕኡ ንምሓዝ ዝተዋፈሩ ሓለቓ ዓሰርተ ሸንኩት ኦኬሎን ምክትል ሓለቓ ዓሰርተ ተስፋየ በለጠ እንትኾኑ ኣብ ከተማ ሑመራ ክደልይዎ ቀንዮም ክረኽብዎ ስለ ዘይከኣሉ ተፈሊጡ።