Wednesday, April 2, 2014

ኣብ ዞባ ምዕራብ ጎጃም ከተማ ፍኖተ ሰላም ንዘሎ ስእነተ ሰናይ ምምሕዳር ዝምልከት ዘይዕውት ዘተ ከም ዝተኻየደ ተገሊፁ።



እቲ ብምትሕብባር መራኸብቲ ሓፋሽ ክልል ኣምሓራ ብ15 መጋቢት 2006 ዓ/ም ዝተኻይደ ዘተ ስእነት ሰናይ ምሕደራ ዝፈጠሮ ፀገማት  ፍታሕ ንምንዳይ ተባሂሉ  ዝተዳለወ እንትኾን ኣብቲ ዘተ ፍታሕ ክህቡ ካብ ዝቐረቡ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ከንቲባ ከተማ ፍኖተ-ሰላም ኣይተ ኣለባቸው ላቄን፤ ናይ’ታ ከተማ መካየዲ  ስራሕ ኣይተ ልየዉ ኣንሙት፤ ምክትል ኣመሓዳሪ ዞባ ምዕራብ ጎጃም ኣይተ ተስፋሁን መንግስቱን ናይ’ቲ ዞባ ናይ ሓይሊ ኤሌክትሪክ  መካየዲ ስራሕ ተወካሊ ኣይተ ፈለቀ ገደፉን ካልኦት ኣመራርሓን  ከም ዝተረኸቡ ተፈሊጡ።

       ኣብ ቅድሚ እዞም ሰበ ስልጣን ብህዝቢ ዝተለዓሉ ሕቶታት ገለ ንምጥቃስ 1. መንግስቲ ኣብ ዞባና መሰረት ልምዓት ኣይዘርገሐን እቲ ተሰሪሑ ዝበሃል ንድኻ ህዝቢ ማእኸል ዝገበረ ኣይኮነን 2. ኣብ 2003 ዓ/ም ዝተኻየደ ምርኢት ንግድን ባዛርን ንኸቢድ ማሽነሪ መትከሊ ተባሂሉ ካብ ነፍሲ ወከፍ  ነባሪ ዝተዋፀአ ገንዘብ ኣበይ ዊዒሉ፤ 3. ኣብ ከተማ ፍኖተ-ሰላም ዘሎ ፀገም መብራህቲ ንምንታይ ክፍታሕ ዘይተኸኣለ ዝብሉን ካልኦትን ንፁራት ሕቶታት ዋላ’ኳ እንተተለዓሉ እቶም ኣብኡ ዝነበሩ ሓለፍቲ ከተማን ዞባን ነቲ ህዝቢ ዝኾነ ይኹን መልሲ ብዘይምሃቦም እቲ ዘተ ብዘይ ፍረ ከም ዝተበተነ ክፍለጥ ተኻኢሉ።