Monday, July 21, 2014

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝተኻየደ 4ይ ዓመት መበል 12 ስሩዕ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ብዘይ ምስምማዕ ከም ዝተበተነ ተፈሊጡ።



ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና እቲ ካብ 30 ሰነ ክሳብ 5 ሓምለ 2006 ዓ/ም ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝተኻየደ 4 ዓመት መበል 12 ስሩዕ ኣኼባ ቤት ምኽሪ እቲ ክልል ዝሰርሖ ሓድሽ ናይ ቤት ምኽሪ ህንፃ ከይተዛዘመ ብምምራቑ ኣብ ሞንጎ ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ጭቕጭቕ ከም ዘልዓለ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣፣
  
    እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ናይ ኣባይ ተፋሰስ ሃገራት 11 ምዃነን እናተፈለጠ። እቲ ሓዱሽ ህንፃ መእከቢ ቤት ምኽሪ ኣብ ቀፅሩ ብሽም እተን ዓሰርተ ሃገራት ጥራሕ እንትስየም “ናይታ መበል ዓሰርተ ሓደ ሃገር ንምንታይ ዘይትስየም ንቐፃሊ ፅቡቕ ነገር ዘይንሓስብ” ዝብል ዘስዓቦ ሓያል ክርክር ነቲ ዝቐረበ ፀብፃብ ቤት ምኽሪ ምሉእ ብምሉእ ተቐባልነት ከም ዘይረኸበን ተቓውሞ ከም ዝገጠሞን እቲ ሓበሬታ የረድእ፣፣