Monday, July 21, 2014

ኣብ ዞባ ኣዊ ዝርከቡ ሓረስቶት ብዛዕባ ምሩፅ ዘርኢ ጣፍ ምዕዳግን ብመስመር ኣዘራርኣን ብምቅዋሞም ጥራሕ ይእሰሩን ብገንዘብ ይቕፅዑን ብምህላዎም ኣብ ልዕሊ እቲ ስርዓት መረረቶም የስምዑ ከም ዘለው ምንጭታትና ሓቢሮም።



    እዞም ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ኣዊ ወረዳታት ማንጃን ኣንከሻን  ዝርከቡ ሓረስቶት ዜጋታትና ኣማሓደርቲ እቲ ከባቢ  ምሩፅ ዘርኢ ጣፍ ብግዴታ ዓዲጎም ብመሰመር ንኽዘርኡ መምርሒ ምስ ኣወረድሎም እቶም ሓረስቶት ብወገኖም ዋጋ ምሩፅ ዘርኢ ጣፍ ክባር ኣብ ልዕሊ ምዃኑ ጣፍ ብመስመር ምዝራእ ኣድካምን ኣሰልቻዉን ምስ ቁጠባና ዘይኸይድን ክብሉ ይቃወሙ ከምዘለው ተፈሊጡ።

    እቶም ምሩፅ ዘርኢ ጣፍ ብብተና እንተዘይ ኮይኑ  ብመሰመር ኣይንዘርእን ክብሉ ነቲ መምርሒ ዝተቓወሙ ሓረስቶት ዛጊድ 35 ዝኾኑ ሓረስቶት ብዕጡቋት ናይ’ቲ ስርዓት ንሓደ ሰሙን ተኣሲሮም ድሕሪ ምፅናሕ ነንሕድሕዶም ምንም በደል ዘይነበሮም ብላዕሊ 100 ብር እናተቐፅዑ ከምዝተለቐቑን ናይ ዝኸፈልዎ ቅብሊት ከም ዘይተዋሃቡን እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣፊሊጡ።

      ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ ነቶም ሓረስቶት ኣምሂሩን  ኣእሚኑን ኣብ ልምዓት ሃገሮም ክሳተፉ ኣብ ክንዲ ዝገብር ዘረባ ተዛሪብኩም እናበልካ ሓረስቶት ኣብ ኣዝመራ ወቕቲ ናብ ቤት ማእሰርቲ ምድጓን ውፅኢት  ኣይርከቦን እንትብሉ ብዙሓት ወገናት ነበርቲ እቲ ከባቢ ኣብ ምግላፅ ከም ዝርከቡ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።