Monday, July 21, 2014

ብርክት ዝበሉ መናእሰይ ንዝንቡዕ ምሕደራ ስርዓት ህወሓት-ኢህወዴግ ብምቅዋም ናብ ክፍሊ ታዕሊም ዴሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ /ዴምህት/ ተፀቢሮም፣፣



 
1.      ማእኸል ወረዳ መረብ-ለኸ ጣብያ ሃፍቶም
2.      ፎቶ ገብረኪዳን ኣርኣያ፤ ዘረኣብሩኽ ብርሃነ ዘርኡ፤ ወለገሪማ ግደይ ወለንስአን ወለገርግስ ኪዳነ ኣሰጉን ካብ ዞባ ማእኸል ወረዳ መረብ ለኸ ጣብያ ምሑቛን
3.      ተስፋጋብር ኣብርሃ ተክለን ሻባይ ኣብርሃ ተኽለን ካብ ዞባ ሰ/ምዕራብ ወረዳ ላ/ኣድያቦ ጣብያ ምድረ-ፈላሲ
4.      ፀሃየ ዳዊት ኣብርሃ ካብ ዞባ ምብራቕ ወረዳ ኢሮብ ጣብያ ዓሊተና
5.      ጥዑም ፍሱሕ ደበሳይ ካብ ዞባ ምብራቕ ወረዳ ኢሮብ ጣብያ ወርዓትለ
6.      ብርሃነ በርሀ ወለስላሰ ዞባ ማእኸል ወረዳ መረብ ለኸ ጣብያ ማይ-ወዲ-ዓንበራይ
ሽሻይ ተስፋሃንስ ገብረፃዲቕ ዞባ ምኣብ’ዚ ቅንያት ካብ ዝተፀበሩ መናእሰይ ተወሰኑ ንምጥቃስ፦
1.  ኣሸናፊ መሓሪ ገብረመስቀል፤ ክብርኣብ ዮዉሃንስ ሃይለ፤ ቢንያም ካሕሳይ ሃይለ፤ ፍዮሪ ገብረዝጊሄር ገብርሄት፤ ኣብርሃም ኣስገለ ገብረኪዳን በረኸት መዝገቦ ጊሎምን ካብ ዞባ ምብራቕ ወረዳ ጉሎ መኸዳ ጣብያ ሰበያ
2.      ኣሚነ ደበሳይ ሃይለን ከዋኒ ፀሃየ ገብረሓርያትን ካብ ዞባ ሰ/ምዕራብ ወረዳ ላ/ኣድያቦ ጣብያ ዕጉብ
3.      ተስፈኣለም ሽሻይ ፍትዊ፤ ብርሃነ ገብረዝጊሄር ገብረስላሴ፤ ሽሻይ ፍትዊ ገብርሄትን ካብ ዞባ ብራቕ ወ/ጉሎ-መኸዳ ጣብያ ኣዲስ-ኣለም
4.        ሓየሎም ሃይለ ገብረመድህን ዞባ ማእኸል ወረዳ ኣሕፎሮም ጣብያ ማይ-ሓማቶ
5.       ለኣከ ተኽለወይኒ ተስፋገርግስ ዞ/ማእኸል ወ/መረብ-ለኸ ጣብያ ዓዲ-ሹም-ብሩህ
6.      ኣከቦም ተስፋጋብር ገብረገርስ ዞባ ምብራቕ ወረዳ ጉሎ-መኸዳ ጣብያ ዛላምበሳ
7.       ዛይድ ተኽለ ገብረማርያም ዞባ ሰ/ምዕራብ ወረዳ ላ/ኣድያቦ ጣብያ ዓዲ-ክልተ
8.    ተኽለ ለገሰ ገብረችኤል ሰ/ምዕራብ ወረዳ ላ/ኣድያቦ ጣብያ ዓዲ-ነብሪኢድ
9.        ዓንዶምወለገብርኤል ኪዳነ ዞባ ማእኸል ወ/መረብ-ለኸ ጣብያ ሃፍተማርያም
10.     ገብረመድህን ታደስ ገብረመድህን ዞባ ማእኸል ወረዳ ወርዒ ጣብያ ዓረና
11.     ዝናብ ነጋሽ ገብረዝጊሄር ዞባ ማእኸል ወረዳ ኣሕፎሮም ጣብያ ዕዳጋ-ዓርቢ
12.      ኣላይ ኣብራሃለይ ስዩም ካብ ዞባ ማእኸል ወረዳ መረብ-ለኸ ጣብያ ኣሳይመ ዝርከብዎም ኣብዚ ሰሙን ምስ ዉድብ ዴምህት ንኽቀላሱ ካብ ዝተሰልፉ መናእሰይ ገሊኦም እዮም፣
ኣላይ ኣብርሃለይ፤ ፀሃየ ዳዊትን ክብርኣብ ዮዉሃንስን ምኽንያት መቃለሲኦም እንትገልፁ። ብሰንኪ ዘይሓላፍነታዊ ገዛኢ ጉጅለ ኢህወዴግ ፍትሕን ሰላምን ስኢኑ ዝሳቐ ዘሎ ህዝብና ኣብ ዉሽጡ ፍትሕን ሰላምን ንምንጋስን። ከምኡ’ዉን ምስ’ቲ መፃኢኡ ፀልሚቱ ተስፋ ዘይብሉ ቀርዩ ዘሎ ወለዶ ኣብ ትሕቲ እቲ ስርዓት ተዓምፂፅካ ካብ ምንባር ትርጉም ኣብ ዘለዎ ቃልሲ ዴምህት እጃሞም ብምብርካት ህዝባዊ ስርዓት ንምትካል ወሲኖም ከም ዝተሰለፉ ተዛሪቦም፣
ፍዮሪ ገብረዝጊሄር ብወገና። ኣብ’ዚ ሕዚ ግዜ ድኻ ሕብረተሰብና ኣብ መገዛእ ሃገሩ ፅግዕተኛ ኮይኑ ዝሓድረላ፣ ብኣንፃሩ ገንዘብ ዝሓዘ በዓል ሃፍትን በዓል ስልጣን ቤተሰብ ዘለዎን ድማ ዝደለዮ ገይሩ ቀሲኑ ዝሓድረላ ናይ ሌላን ጉሌላን ሃገር ኮይና ብምህላዋ በዚ ተማሪራ ንምቅላስ ከም ዝወሰነት ገሊፃ፣፣
   ኣይተ ዛይድ ተኽለ ብግዲኦም ካብ ስቓይ መከራ እቲ ስርዓት ተላቒቖም ኣብ’ዚ ዴምህት ፅቡቕ ኣለኹ ምስ በሉ፣ ይነብርሉ ኣብ ዝነበሩ ከባቢ ዕድመ ሓሊፍዎ ዝኣረገ ሰብ መሬት ዘይብሉ ከም ዘሎን ካብኣቶም ሓደ ንባዕሎም ከም ዝኾኑ ድሕሪ ምግላፅ ብተግባር ስርዓት ህወሓት-ኢህወዴግ ሕጉስ ስለ ዘይነበሩ እቲ ምምሕዳር ስለያታት ኣኽቢቡ መዓልታዊ ምንቅስቓሶም ክከታተሎ ፀኒሑ መወዳእትኡ’ዉን ምኽንያት ብዘይብሉ ብፖላዊስ ተኣሲሮም ብዙሕ ተሳቕዮምን ተገሪፎምን ምስ ተፈትሑ ብድሕርኡ ኣብ ገዝኦም ቅሳነት ስለ ዝሰኣኑ መፍትሒ ወፅዓ ቃልሲ እዩ ብምባል ናብ ዴምህት ከም እተፀበሩ ኣረዲኦም፣፣