Tuesday, July 15, 2014

ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከተማ ኣክሱም ብዘሎ ፀገም ማሕበራዊ ኣገልግሎት ንሕማም ዝተቓልዑ እሱራት ብ25 ሰነ/ 2006 ዓ/ም ብፖላዊስ ተዓጂቦም ናብ ሕክምና እናተወሰዱ እንከለው ነቶም ዓጀብቲ ወቒዖም ብረቶም መንጢሎም ከም ዘምለጡ ተፈሊጡ።



 ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣክሱም ንፁሃት ሰባት ብዘይ ወዓልዎ ናይ ፀለመ ክሲ ብርክት ዝበሉ ወገናት ተኣሲሮም ይሳቐዩ ምህላዎም ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ኣብ’ቲ ቤት ማእሰርቲ ብዘሎ ናይ ኣመጋግባን መደቀስን ካልኦት ፀገማትን ብዙሓት እሱራት ንሕማም ይቃልዑ ኣብ ዘለዉሉ ብ25 ሰነ 2006 ዓ/ም 2 እሱራት ብፖሊስ ተዓጂቦም ናብ ሕክምና ይዉሰዱ ኣብ ዝነበርሉ እዋን ብዙሕ ህዝቢ ይንቀሳቐሰሉ ኣብ ዝነበረ ማእኸል ከተማ ነቶም ዓጀብቲ ፖሊስ ቀጥቂጦም ብምዉዳቕ ብረቶም ኣሕዲጎም ከም ዝሃደሙ ተፈሊጡ ኣሎ።

ናይ’ቶም ብእሱራት ብረቶም ዝተመንዝዑ ኣባላት ፖሊስ  ኣስፋዉ ኣዲስ ኣለምን ሙሉእብርሃን ታደሰን ዝተብሃሉ እንትኾኑ እቲ ብእሱራት ዘጋጠሞም ጉዳይ ናብ ሓለፍቶም ምስ ሓበሩ ብሓለፍቶም ዝተዋሃቦም መልሲ ፈሊጥኩም ኢኹም ሰዲድኩሞም እቲ ብረት’ዉን ንመን ኢኹም ሸጥኩሞ ኣምፅእዎ ብምባል ከም ዝኣሰርዎም እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ።

እቶም ብቕልፅሞም ብረት መንዚዖም ዘምለጡ እሱራት ብ ኣባላት ፖሊስን ድህንነትን እቲ ስርዓት ይድለዩ ዋላ’ኳ እንተለዉ ክሳብ ሕጂ ክርከቡ ከም ዘይክኣሉ እቲ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።