Thursday, July 17, 2014

ስርዓት ወያነ ኢህወዴግ ብሽም ዓቃቢ ሰላም እናመልመለ ዝልእኾም ዘሎ ፌዴራል ፖሊስን መደበኛ ፖሊስን ዝመፅእ ዓመት ኣብ ዝካየድ መረፃ ንዝለዓል ህዝባዊ ተቓዉሞ ፀግዒ እቲ ስርዓት ኮይኖም ህዝቢ ንኽጭፍልቑ ዝዓለመ ከም ዝኾነ ተገሊፁ፣፣



ብመሰረት እቲ ሓበሬታ መራሕቲ ገዛኢ ዉድብ ኢህወዴግ ኣብ ስልጣን ንምንባር ካብ ዘለዎም ናይ ስልጣን ስሰዐ ዝመፅእ ዓመት 2007 ዓ.ም ኣብ ዝካየድ ምስሉይ መረፃ ኣድናጊሮምን ኣታሊሎምን ተዓዊትና ምባሎም ከም ዘይተርፍ ካብ ብሕዚኡ ስለ ዝፈልጥዎ ዜጋታት ድምፂ ህዝቢ ይከበር ኢሎም ኣብ ዝዕምፅሉ ነቲ ዝቃወም ህዝቢ ዝጭፍጭፉ ካብ ብሕዝኡ ብጥቕማ ጥቕሚ ደሊሉ ንምሕዝ ካብ ሕሉፍ ፍልይ ብዝበለ ነቶም ኣቐዲሞም ብሽም ዓቃቢ ሰላም ተላኢኾም ዝፀንሑ ወተሃደራት ቀኒሱ ኣብ ክንድኦም ፌዴራል ፖሊስን መደበኛ ፖሊስን እናመለመ ይልእኾም ከም ዘሎ ተፈሊጡ፣፣

እዞም ካብ ህዝቢ ተነፂሎም ቀፃልነት ስልጣኖም ንምዉሓስ ላዕሊ ታሕቲ ኣብ ምባል ዝርከቡ ጉጅለ ኢህወዴግ ምሉእ እምነቶም ኣብ ሰራዊት ምክልኻል፤ ድህንነት፤ ፌዴራል ፖሊስን መደበኛ ፖሊስን ጌሮም ስለ ዘለዉ ነቲ ዝደልይዎ ትእዛዝ ንኽፍፅምሎም ከም መሳርሒ ዝጥቀምሉ ዘለዉ ሓደ ዓቃቢ ሰላም ብዝብል ምልመላ ብምትእትታዉ ኣብ ዉሽጢ እቶም ሰራዊት ዉድድር ንኽህሉን እቲ ሓደ ነቲ ካልእ ክበልፅ ክብሉ ብከብዶም ተዓዲጎም ንንፁሃት ዜጋታትና ዓፊኖምን ጨፍሊቖምን ንኽሕዙ ዝተመሃዘ ዉዲት ምዃኑ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ የረድእ፣፣