Thursday, July 17, 2014

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝነብሩ ጎደና ሓደር መንእስያት ወገናትና ካድረታት ስርዓት ወያነ ኢህወዴግ ዕድል ስራሕ ክንከፍተልኩም እናበሉ ብምትዕሽሻው ናብ ክልል ዓፋር ይወስድዎም ከም ዘለዉ ተፈሊጡ፣፣



እቶም ብሰንኪ ስእነት ስራሕ ካልኦት ፀገማትን ኣብ ከተማ ኣዲስ  ኣበባ ንጎደና ሓደር ተሳጢሖም ኣብ ከርተት ዝርከቡ ብኣሻሓት ዝቑፀሩ ዜጋታትና  ኣብ ልዕሊ እቲ ስርዓት ዓመፅ ንኸየልዕሉ ዝሰግኡ ሰበስልጣን እቲ ስርዓት ኣብ ፍሉይ ሞያ ቴክኒክ ትምህርቲ ብነፃ ኣምሂርና ዕድል ስራሕ ክንከፍተልኩም ኢና ኢሎም ብምትላል ናብ ክልል ዓፋር የጓዓዕዝዎም ከም ዘለዉ እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ገሊፁ፣፣

      እቲ ሓበሬታ ወሲኹ እቶም ናብ ክልል ዓፋር ዝተወሰዱ ጎደና ሓደር መንእስያት ኣብቲ ክልል ኣብ ዝስራሕ ዘሎ ግድብ  ክንደሆ መስኖ ጉልበት ስራሕ ኣዋፊሮም ብሕሱር ክፍሊት ጉልበቶም ይምዝመዙ ከም ዘለዉ ድሕሪ ምግላፅ እዚ ከይኣክል ድማ ንገለ መንእስያት ብቁንጣሮ ገንዘብ ብምድላል ኣብ ሚድያ ቀሪቦም  ነቲ ስርዓት ዘመጉስ ዘረባታት የዛርብዎምን ህዝቢ ኣብ 2007 ዓ.ም ኣብ ዝካየድ መረፃ ንስርዓት ኢህወዴግ ንኽመርፅ ጎስጓስ ከካይዱ የገድድዎም ምህላዎም ገሊፁ፣፣

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ ስልጣን ዝርከብ ስርዓት ኣብ መስኮት ቴሌቪዥን ኣቕሪቡ ካብቲ ዝተወሃቦም ሓሳብ ከይወፁ ክዛረቡ ብምግባር ከዛርቦም እኳ እንተፈተነ ኣብዝሓ ህዝቢ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ከባቢታትን መፃኢ 2007 ዓ/ም ክካየድ ተሃሲቡ ኣብ ዘሎ ምስሉይ ምርጫ ስዒቡ ክለዓል ኣብ ዝኽእል ናይ ህዝቢ ተቓውሞ ቀንዲ ተዋሳእቲ ንኸይኾኑ ብምስጋእ’ምበር ነቶም ጎደና ሓደር ዜጋታትና ሓልዩ ከምዘይኮነ ብዝተፈላለዩ ኣገባባት ህዝቢ የቃልዖ ከም ዘሎ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣፣