Thursday, July 17, 2014

ብቦርድ መልክዕ ካብ ምክልኻል ሰራዊት ናብ ዓዶም ዝተፋነዉ ወተሃደራት እቲ ናይ ቦርድ መሰኔታ ወረቐት ድሕሪ ወርሒ ነናብ ወረዳኹም ክለኣኸልኩም እዩ ዝተበሃለ ስለ ዘይተላኣኸሎም ፍታሕ ንምርካብ ኣብ ከርተት ከም ዝርከቡ ተሓቢሩ፣፣



እቶም ናይ ቦርድ መሰል መሰኔታ ወረቐት ናብ ዝነብርሉ ወረዳ ድሕሪ ወርሒ ክለኣኸሎም ምዃኑ ተነጊርዎም ካብ ምክልኻል ተሰናቢቶም ዝኸዱ ወተሃደራት ሓደ ወርሒ ፀኒሖም ኣብ ወረዳ ከይዶም ኣብ ዝሓተትሉ ብዛዕባ ቦርድ ምባልኩም ንፈልጦ ነገር የለን ስለ ዝተባህሉ ናብ ክልል ኣምሪሖም ጥርዓኖም ዝተፈለየ መልሲ ብዘይምርካቦም ናብ’ቲ ዝነብርዎ ኣሃዱ ብምኻድ ንምንታይ ከም ዘይተለኣኹሎም ኣብ ዝሓተትሉ “ኪዱ ዓዲኹም ኮይንኩም ተፀብዩ” ብምባል ብዘይ ግቡእ ኣቀባብላ ኣፈራርሖም ከም ዘባረርዎም እቲ ንግዳያት መሰረት ዝገበረ ሓበሬታ ምንጭታትና ገሊፁ፣፣

እቲ ሓበሬታ ኣስዒቡ እቶም ካብ ሰራዊት ብዘይ ሓደ መሰኔታ ብሽም ቦርድ ብቃል ተነጊርዎም ተሰናቢቶም ዝተፋነዉ ኣባላት ሰራዊት ምክላኽል ዝነበሩ ኣብ’ታ ዘይብላ ማሕበርዊ መነባብርኦም ናይ ቦርድ ወረቐት ንምርካብ ካብ ወረዳ ጀሚሮም ክሳብ ክልልን ኣሃዱታትን ክከላበቱ ልዑል መጠን ገንዘብን ስራሕ ግዜን ዝትከኣሎም ኣካል ስለ ዘይብሎም ፀገም ኣብ ልዕሊ ፀገም እናተደራረበ ኣብ ዓብዪ ቅልዉላዉ ወዲቖም ከም ዝርከቡ ኣፍሊጡ፣፣