Tuesday, July 15, 2014

ኣብ ከባቢ ዓድዋ ተዘሪኡ ዝበቖለ ዝርኣቲ ብባርኖስ ይብላዕ ኣብ ዘለሉ ብሰብ ሞያ ዝተገበረ ህፁፅ ሓገዝ ብዘይ ምህላዉ ሓረስቶት መረረቶም ከምዘስምዑ ምንጭታትና ከብቲ ከባቢ ሓቢሮም።



ኣብ ዞባ ማእኸል ትግራይ፤ ወረዳ ገጠር ዓድዋ ብሕርሻ ዝናበሩ ሓረስቶት ወቕቲ ክረምቲ ሓልዮም ዝዘርእዎ ዝራእቲ ባርኖስ ዝተባህለ ፀረ ዝርኣቲ ሓሰኻ ነቲ ዝበቖለ እኽሊ ብኣልማሚት ይበልዖ ኣብ ዘለሉ እዋን ህፁፅ ሓገዝ ንኽግበረሎም ብ29 ሰነ 2006 ዓ.ም ናብ ዝምልከቶ ኣካል ሓቲቶም ዝረድእ በዓል ሞያ ብዘይ ምርካቦም ኣብ ልዕሊ እቲ ዘይሓላፍነታዊ ምምሕዳር መረረቶም የስምዑ ከም ዘለዉ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።

ምንጭታትና ወሲኾም ከም ዝገለፅዎ ሓረስቶት ዘዕግብ ፍረ ክሓፍስሉ ዝፅበይዎ ዝነበሩ ዓይኒ ብቑሊ ዝርኣቶም በቲ ባርኖስ ቅድሚ ምብልዑ ገለ ምልክታት ከም ዘሎን ፀረ ባልዕ መድሓኒት ንኽዋሃቦምን ተደጋጋሚ ሕቶ ኣቕሪቦም ኣወንታዊ ምላሽ ብዘይምርካቦም ስለ ዝተበለዐ “ደቅና እንታይ ኢና ክንቅልቦም፤ እቲ ብኣስገዳድ ዉሰዱ እናተበሃለ ብልቃሕ ዝተወሃበና መዳበርያን ምሩፅ ዘርእን ካብ ምንታይ ኣምፅኢና  ክንከፍሎ” ወዘተ እናበሉ ኣብ ልዕሊ እቲ ስርዓት ዘለዎም ቅሬታ ኣብ ምግላፅ ከም ዝርከቡ ኣረዲኦም።

ካብቶም መረረቶም ዝገለፁ ወገናት ብርሃነ ነጋሽ፤ ገብረዝጊሄር መዓሾን ቀሺ ወሉ ግርማይን ዝተበሃሉ ዝርከብዎም ኮይኖም ንሳቶም “ብሰበ ስልጣን መንግስቲ ኣብ ኣኼባታትን ሚድያታትን መዓልታዊ ሕርሻ ቀዳማይ ትኹረቶም ከም ዝኾነ ዝዛረቡዎ  ንፖለቲካዊ ሸቐጥ ድኣ‘ምበር ኣብ ተግባር ፍፁም የለዉን እንተዝህልዉ ካብ’ዚ ዝኸፍእ ወራሪ የለን ብእዋኑ ምረድኡና ነይሮም” ክብሉ ምዝራቦ እቲ ዝተረኸርበ ሓበሬታ ወሲኹ ኣፍሊጡ።