Friday, July 11, 2014

ኣመሓደርቲ ወረዳታት ስርዓት ኢህወዴግ ሕድሕዶም ዕስራ ሰብ ናብ ዉትህድርና ከኽትቱ ብዝተዋህቦም ኮታ መሰረት ንመናእሰይ ኣገዲዶም የዕጥቕዎም ከም ዘለዉ ካብ ዝተፈላለያ ወረዳታት ምንጭታትና ሓቢሮም፣፣



እዞም ብላዕለዎት ሓለፍቶም መምርሒ ዝተቐበሉ ሓለፍቲ ወረዳታት መንእሰይ ናብ ዉትህድርና ክኣቱ ድሌት የብሉን ነቲ ኮታ ተግባራዊ ንምግባር ኣይከኣልን ዝብል ሓሳብ ከም ዘቕረቡ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ እንተኾነ ግን ላዕለዎት ሓለፍቲ እቲ ስርዓት ኮታኹም ተዋሂብኩም ኣሎ ሃገርን መንግስትን ክሕሎ ትደልዩ እንተኾይንኩም ድማ ኣእሚንኩም ይኹን ኣገዲድኩም ዝተውሃበኩም ኮታ ምምላእ ናሃትኩም ዓቕምን ብቕዓትን እዩ ዝሓትት ከም ዝበልዎም ተፈሊጡ ኣሎ፣፣

ካብ’ቶም ንኸም’ዚ ዝኣምሰለ ዘይሓላፍነታዊ መምርሒ ዝህቡ ዘለዉ ኣብ ምምሕዳር ክልል ዓፋር ሓላፊ ፀጥታ ስዩም ኣወል ምስ ተወካሊ ምክልኻል  ጀነራል ፍስሃ ኪዳነ (ፍስሃ ማንጁስ) ብሓባር ኣብዚ ሰሙን እዚ ንነባሪ ህዝቢ ወረዳ በራሕለ ኣኪቦም መንእሰይ ዉትህድርና ክኣቱ ጎስጓስ ኣብ ዘካየድሉ ተቐባልነት ስለ ዘይረኸቡ ኣብ’ቲ ኣኼባ ንዝተረኸቡ 9 መናእሰይ ጥራሕ ብኣስገዳድ ናብ መቐለ ወሲዶም 1,500 ብር ኣበል ንነፍሲ ወከፎም ሂቦም ብገንዘብ ኣታሊሎም ናብ ዉትህድርና ክኣትዉ ከም ዝመፁ ኣምሲሎም ናብቲ መተኣኻከቢ ቦታ ኣረኪበሞም ከም ዝኸዱ ዝበፀሓና ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

እንተኾነ ካብ’ቶም ብኣስገዳድ ዝተወሰዱ 9 መናእሰይ 7 ጠፊኦም ናብ ዓዶም እንትምለሱ እቶም 2 መናእሰይ ድማ ኣብ ከተማ መቐለ ከም እተሰወሩ ተፈሊጡ።

ብተመሳሳሊ ኣብ ክልል ኣምሓራ ብ27 ሰነ 2006 ዓ.ም ካብ 8-10 ክፍሊ ዝበፅሑ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ብኣስገዳድን ጥቕማ ጥቕምን ኣታሊሎም ትምህርቶም ኣቋሪፆም ናብ ዉትህድርና ክወስዱ ኣብ ዝፈተንሉ ግዜ ወለዲ ብሓፈሻ ድማ ነባሪ ህዝቢ ማዕንጥኦም ዘይቋፀሩ ቆልዑ መንግስቲ ናብ ዉትህድርና ምዉሳድ ጠጠዉ የብል እናበሉ መረረቶም ብምግላፅ ጥርዓኖም ኣብ ምቕራብ ከም ዝርከቡ ምንጭታትና ካብ ከተማ ጎንደር ሓቢሮም።