Friday, July 11, 2014

ስርዓት ወያነ ኢህወዴግ ዕጥቃዊ ቃልሲ ብዘካይዱ ተቓወምቲ ውድባት ስለ ዝረዓደ ግቡእ ስልጠና ከይሃበ ብዘዕጥቖም ዘሎ ምልሻታት ህይወት ሰላማዊ ህዝቢ ንሓደጋ ይቃላዕ ከም ዘሎ ተፈሊጡ፣፣



ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና ብ26 ሰነ 2006 ዓ/ም ኣብ ከተማ ዳንሻ ብርሃነ ክንፈ ዝተባህለ ውልቀ ሰብ ኣመሓደርቲ ናይ’ቲ ከባቢ ምንም ስልጠና ከይሃቡ ምልሻ ኩን ኢሎም ብረት ስለ ዘዕጠቕዎ እታ ዝተዓደለቶ ብረት ተባሪቓቶ ምሕረት ኣለምሸት ንዝተብሃለት በዓልቲ ቤቱ ከም ዝቐተላ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣፣
   
   እቲ ሓበሬታ ኣስዒቡ ህዝቢ ከተማ ዳንሻን ከባቢኡን እቲ ስርዓት ብዛዕባ ብረት ኣፍልጦ ንዘይብሎም ሰባት ጉቡእ ስልጠና ከይሃበ ብረት ክዓጥቁ ምግባሩ  ግቡእ ከም ዘይኮነን ሓደ መፍትሒ እንተዘይ ተወሲዱ ድማ እቲ ሓደጋታት እናበኣሰ ክኸይድ ከም ዝኽእልን ሓደ ክልተ እናበሉ ከወድኡና እዮም ብምባል ስግኣቶም ይገልፁ ከም ዘለው የረድእ፣፣

ብተመሳሳሊ ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ወረዳ ወልቃይት ከተማ ማይ-ገባ ብርሃነ ኣስረስ ዝተበሃለ ብኣስገዳድ ዝተዓጠቐ ሚልሻ ዝተወሃባ ብረት ተባሪቓቶ ወ/ሮ መሰረት ኣጥናፉ ንዝተበሃለት በዓልቲ ቤቱ ከምዝቐትላ ኣብ ናይ ዜና ፈነወና ገሊፅና ምንባርና ይፍለጥ፣፣