Friday, July 11, 2014

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ ካብ ዝርከቡ ተማሃሮ በቲ ገዛኢ ስርዓት መናእሰያት ናብ ተቓወምቲ ዉድባት ክኣትዉ ትጉስጉሱ ኣለኹም ብዝብል ይእሰሩ ምህላዎም ምንጭታትና ካብ’ታ ከተማ ሓቢሮም፣፣



ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ንመናእሰይ ናብ ተቓወምቲ ዉድባት ብፍላይ ድማ ምስ ዉድብ መድረኽ ኮይኖም ኣንፃር መንግስቲ ክቃለሱ ትጉስጉሱ ኣለኹም ብዝብል ብ28 ሰነ 2006 ዓ/ም ካብ ዝተኣሰሩ ኣሸናፊ መገርሳን ሞጎስ ከልካይን ዝተብሃሉ ናይ ኢንጂኔሪንግ ተማሃሮ ዝርከብዎም ካልኦት ብርክት ዝበሉ ተማሃሮ በቲ ሰርዓት ምእሳሮም ተፈሊጡ፣፣

እቶም ኣንፃር ኢህወደግ ትጉስጉሱ ኣለኹም ዝተብሃሉ ተማሃሮ ብዕጡቛት እቲ ስርዓት ተጨዉዮም ድሕሪ ምዉሳዶም ክሳብ ሕዚ ኣበየነይ ቤት ማእሰርቲ ከም እተኣሰሩ ስለ ዘይተፈለጠ ስድርኦም ብኩነታት ደቆም ኣብ ከቢድ ጭንቅን ሻቕሎትን ወዲቖም ከም ዝርከቡ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ፣፣