ብመሰረት ምንጭታትና ነበርቲ እተን ከተማታት ብዛዕባ
እቲ ብዙሕ ፋይናንሳዊ ወፃኢ ተጌርዎ ተተኺሉ ኣገልግሎት ከይሃበ ዝወድቕ ዘሎ ዓንዲ ኤሌክትሪክ ኣመልኪቶም ናብ ሓላፊ ሓይሊ
መብራህቲ ምዕራብ ዲስትሪክት ብተወከልቶም ኣቢሎም ጥርዓኖም ኣብ ዘቕረብሉ ሰማዒ ከም ዘይረኸቡ ተፈሊጡ።
ብተመሳሳሊ ኣብ ዞባ ምዕራብ ጎጃም ወረዳ ቡሬ
ካብ ከተማ ቡሬ ናብ ከተማታት ቁጭ፤ ፈዘልን ሰርተከዝን ተኣሳሲሩ ዝተዘርግሐ መስመር ሓይሊ መብራህቲ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ኣትሒዙ
ኣገልግሎት ከይሃበ ምቕማጡ ኣብ ስልጣን ዝርከብ ስርዓት ህዝቢ ተጠቃሚ እንተይኮነ ንመዉዓዉዒ ሚድያ ዝጥቀመሉ ፍሹል ተግባር እዩ
ክብል ህዝቢ ይዛረበሉ ከም ዘሎ ምንጭታትና ወሲኾም ኣረዲኦም።