ኣብ ዞባ
ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ወረዳ ላዕላይ ኣድያቦ ነባሪ ህዝቢ ከተማ ዓዲ ዳዕሮ ብሰንኪ ኣብታ ከተማ ኣጋጢሙ ዘሎ ፀገም ዝስተ
ፅሩይ ማይ መንገዲ ስዓታት እናተጓዕዘ ፅሬቱ ዘይሓለወ ናይ
ዒላታት ማይ ክጥቀም ይግደድ ብምህላዉ ከም ሳዕቤኑ ድማ ንዝተፈላለዩ ማይ ወለድ ሕማማት ይቃላዕ ከም ዘሎ ካብ ዝበፀሓና ሓበሬታ
ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣፣
በቲ
ኣጋጢሙ ዘሎ ናይ ማይ ፀገም ኣብ’ታ ከተማ ዝርከባ ኣብያተ መግብን መስተን ካልኦት ዝተፈላለያ ንግዳዉያን ትካላትን ስራሕተን
ብጉቡእ ከየሰላስላ ዓብዪ ዕንቅፋት ኮይንወን ብምህላዉ በዚ ፀገም ማይ ዓቕሉ ዝፀንቀቐ ነባሪ ህዝቢ ድማ ናብ ልምዓት ማይ
ናይ’ታ ከተማ ነቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ፀገም ክፍታሓሉ ጥርዓኑ ዋላ’ኳ እንተኣቕረበ ንሕቱኡ ሰሚዑ ዝምልሰሉ መንግስታዊ ኣካል ክረክብ
ከም ዘይክኣለ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ገሊፁ።
እዚ ስእነት ፅሩይ ማይ ኣብ ከተማ ዓዲ ዳዕሮ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ዝተፈላለያ
ከተማታትን ገጠራትን ሃገርና ኢትዮጵያ ዘሎ ቆላሕታ ዝሰኣነ ዓቢ
ፀገም ምዃኑ ኣብ ዜናታትና ደጋግምና ክንገልፅ ምፅናሕና ይፍለጥ።